Post più popolari

Tuesday, 11 June 2013

“እቲ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒ”

እቲ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒ”

እቲ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ኸኣ ይስዓበኒ።እቲ ንሕይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ።እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኼድሕና እዩ።” (ማር.834-35)።እናበለ ብልግለጺ ነጊሩና እዩ።እታ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ዓዲ እትወስድ መዓልታዊ መስቀል፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትመገዲ ሓንቲ እያ፣ንሳ ኸኣ መገዲ መስቀል እያ፣ ካልእ ጓል መገዲ የልቦን፣ጸባብን ብርትዕትን ደኣ ትኹን እምበር ብእኣ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ዘሎና።

በዚ ኸኣ እዩ እቲ ቅድም ተኻፋሊ መስቀሉ፣ድሓር ከኣ ተኻፋሊ ዓወቱ ዝኾነ
ቅዱስ ጴጥሮስ፤ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፣ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፣ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።
ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፣ሓሶት እውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይተጻረፈን፣ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር ኣየፈራርሀን ። ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ፆሮ።”(1ጴጥ.221-24) ።ብምባል ዜተባብዓና። ኣርማ መስቀል፡ ሓባሪ ምልክት ጐደና መንግሥተ ሰማይ እዩ፤መስቀል ኣብዘለዎ፣ኣብኡ ርግጽነት ድሕነት ኣሎ።

ክቡራትን ፍቁራትን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፣ሕጂ ብምድራዊ ነገራት ክንሕጐስ፡ ጣዕምን ምቾትን ብምድላይ ነነፍስና ንዘለዓለም ከይነጥፍኣ ንንቃሕን ንጠንቐቕን። ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ፣ መስቀል ክብሪ ደኣ እምበር ውርደት ኣይኮን፣ ዓወት ደኣ እምበር ስንፍና ኣይኮነን።ኣብ መዓልቲ ሕይወትና መስቀልና ነለሊ፣ነቲዕልት ዕለት መስቀሉ ሒዙ ዘይስዕበኒ፣ናተይ ኪኸውን ኣይክእለን እዩዚብል ቃል መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይንዘንግዓዮ።
ንዕለታዊ መስቀልና ኣይንደርቢዮ፣ ኵሉ ሥቓይናን፡ ድኻምናን፡ ቃልስናን ንምንታይ ከምንሳቐን ከምንደክምን ኣብ ክስቶስ ትርጉም እንተ ደኣ ሂብናዮ፤ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ። ምእንትዚ ንስቓይና፡ ስቓይ ኮይኑ ጥራይ ከይተርፍ፣ትርጉም ንሃቦ። ኣብዚ መስቀል ክንብል እንከሎና፤ እቲ ኣብ ክሳድና እንኣስሮ መስቀል ሓጺን ወይ ድማ መስቀል ዕንፀይቲ ኣይኮነን፤እቲ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትናዚረኽበናን ዚጓነፈናን፣ ዚኾነ ዓይነት ስቓይ እዩ።እዚ ስቓይ እዚ፡ ንመንፈስናወይ ድማ ንሥጋና ዚሳቒ ኪኸውን ይኽእል፣ካብ ውሽጥና፤ብሕማም፡ብፈተና፡ ብሓጢኣት ኪመጽእ ይኽእል፣ወይ ድማ ካብ መቕርብናን፡ፍተውትናን፡ቤተ ሰብናን፡ሓዳርናን፡ውሉድናን፣ከምኡውን ካብ ወጻኢ፣ ኣብ ስራሕና ኬጋጥመናን ይኽእል።
ካብ ዝመጸ ይምጻእ፣ብዝመጸ ይምጻእ፣ስለ ምንታይ እዚ ንዓይ እረኽበኒ፧ ዚብል ሕቶ ክንሓት ኣይፍቀዳናን እዩ። ከመይ ክርስቶስ፣ንእኡ ተኸቲሎም እውን ኵላቶም ቅዱሳንን ሰማዕታትን፣ንምንታይ ዚብል ሕቶ ኣይሓተቱን።እዚ ኸአ ንምንታይ ከምዝሳቀዩን መስቀል ከምዚሽከሙን ኣነጺሮም ስለ ዝፈልጡን፣ከምዚ ጳውሎስ ኣብ ላዕሊ ዝበሎ፣ንመን ከምዚምክቱን ይፈልጡ እዮም።
                                              ዲያቆን የውሐንስ ገብሪ ህይወት

No comments: