Post più popolari

Wednesday, 12 June 2013

ኣንታ ኸኣሊ !።



ኣንታ ኸኣሊ !
ጸላኢ ክስዕረና ነገራት ይፍሕስ 
ናይ ስጋ ይመስሎ እቲ ናትና ቅልስ
ንሕና ከኣ ንመጽእ ንብዓትና ነፍስስ
ሓንቲ ቃል ክትብል ሽግርና ክትፍውስ 
ምርኮ ካባኻ መታን ክንወርስ
ኣንታ ኸኣሊ ከኣ ክትገብር ኢኻ
ክንዝም ኢና ከኣ ክትሰርሕ ኢኻ
ዕርዶም ከተፍርስ ኢየሱስ ብሓይልኻ 
ንሕና ከኣ ኢየሱስ ንጥሕስ ምሳኻ
ምሳኻ ምንባርሲ ምቁርዩ በጃኻ 
ንስኻ ተኣዚዝካ መንዩ ደው ዝብል
ንስኻ ተኢልካኸ መንዩ ዝኽልክል
ስለዚ ኢና ኸኣ ፍጹም ዘይንሻቀል
ምሳኻ ምንባርሲ ጥዑም ኢዩ ኣታ ልዑል 
ኣንታ መላኺ ንዓኻ ነምልኽ
ንዓኻ ጥራሕ ንነግር ኣይንኣቱን ኣብ ህልኽ 
ሰባት ብስጋ ክዓዩ ንሕና ንንብርከኽ
ንስኻ ክትሰርሕ ንሕና ክንማርኽ
ንቃልካ ትዓጽፍ ወዲ ሰብ ኣይኮንካን 
ዝረገጽኩማ ክትወርሱ ኢልካ ኢኻ ግድን
ስለዚ ብዝኾነ ማዕበል ኣይንናወጽን 
ክንስዕር ኢና ክትከብር ምእንታን
ኣንታ ኣምላኽ ኤልያስ ክትምልስ ኢኻ ግድን
               

                     ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

No comments: