Post più popolari

Tuesday, 11 June 2013

2ይ ክፋል ኣቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12)

2ይ ክፋል ኣቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12)
ቅዱሳን በዚ ህይወት እዚ ስለ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ሓሊፎም ኣነን ንስኻን ከ?።

ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ብሰይ ምስትውዓልና ይተርፈና ኢዩ ናቱ ምጽኒናዕን በረኸትን።ወንጌል ብምስባኽካን ስም ጎይታ ስለ ዝጸዋዕካን ፡ኣሕሊፎም ኣብ ዝህቡኻ ግዜ ኣብዚ ወቅቲ እዚ ብጽንዓት ቦታኻ ከይሓደግካ ብጾሎት ክትነቅሕ ኢዩ ዝግብኣካ። ሓደ ግዜ ኢዩ፡ ሓደ ቅዱስ ኣቦ ካብ ማሕበረ መነኮሳት ይነብሩ እሞ፡ እዞም መነኮሳት ነንእሽቶ እንጌራ ይወሃቡ ቁርሶም ንበሎ ብንናይ ሎሚ ኣዛራሪባ።ቅዳሴ ሰኣን ሓደ ሰብ ትበኩር ከም ዘላ ምስ ረኣየ ፡። መግቢ ዝበልዐ ሰብ ክቅድስ ስለ ዘይክእል ነዛ ጉቡብኡ ከይበለዐ የቀምጣ።ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ድማ ንሕናስ ቅዳሴ ከነካይድ ሓሲብና ስጋ ክርስቶስ ክንሰርዕ ደሊና፡ ነርና ስለዚሲ  ሓደ ሰብ ዶ የብልኩምን ኢሎም ይሓቱ እሞ?።
ሰብኣይ “ኣነ ኣለኹ ክሳዕ ህጂ እኽሊ ዘይለኸፍኩ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢየ” ኢሉም ቅዳሴ ኣትዮም ስጋ ክርስቶስ ነቶም ህዝቢ የቀቢልዎም። ማሕበረ መነኮሳት ሆየ ተኣኪቦም ነዞም ኣቦ ይኸስዎም ።ሓስዩ መግቢ ሞቅነኑ ወሲዱ ከሎ ኣይለከፍኩን ኢሉ ቀዲሱ ይብሉ።በዚ ኣኼባ ምስ ተገብረ ድማ  ኩሉ ሰብ ካብቲ ከባቢ ክርሕቅ ይጽውዑ መራሒ ማሕበር ።ትቅብል ኣቢሎም ክሱስ ድማ ሰብ ኣይኮነን እዞም ኣብዚ ከባቢየይ ዘለዉ ኣግራብ እውን ተበንቂሶም ካብዚ ይርሓቁ ኢሎም ምስ ተዛረቡ ካብቲ ከባቢ ብዘለዉ ኣግራብ ተበንቂሶም ረሓቁ እሞ።(ወንጌል ማርቆስ 11:23)ሓወይ ዝሃብኩምኒ እዚኣ ኢያ ነይራ ኣይለኸፍኩዋን ድማ እንሀቶ።ኢሎም ነታ ቁራስ ዘይለኸፍክዋን ስለምንታይሲ ቅዳሴ ኣብዚ ሰኣን ሰብ ክትበኩር ብራኢ ስለ ዝረኣኹ  ኣብ ጁባይ ኣቀመጥኩዋ ፡እንኩ እታ ዝሃብኩምኒ ኢሎም እንጌራ ካብ ጅባኦም ኣውጺኦም ሃብዎም። በዚ ድማ ተዓዚሞም ገረሞምም።
ብዙሕ ግዜ ክሲ ክለዓለና እንበኣር ክንፈርሕ ክንስንብድ ከይንስጎግ ኢልና ክንደሃል ኣይኮናን ዘለና።ብፍላይ ብቃል ክርስቶስ ዝኾነ።ክሰጉኹም ኢዮም ግድን ኢሉና ኢዩ ግንከ ከተማታት ኢየሩሳለም ኣይክትውዳወንን ኢኹም ኢሉና ኢዩ።(ሉቃስ21፡12)ኣብቲ ሓደ ዓዲ ተሰጎጉኹም ናብታ ሓንቲ ዓዲ ኪዱ ኣብኣ እንተሰጎጉኹም ድማ ናብታ ካልእ ዘይበጻሕኩማ ዓዲ ኪዱ ደኣ ኢዩ ኢሉና ኢየሱስ እንበር።ኣይሰጉኹምን ኢዮም ከይሰጉኹም ከድሕነኩም ኢየ ኣይኮነን ቃሉ።(ማቴዎስ10፡23)ክንፈርሕ ዘይኮና ዘለና እንበኣር ነቲ ሕሹኽ ኢሎም ዝነገሩና ዓው ኢልና ኣብ ዝባን ናሕሲ ኮይና ክንሰብኽ ዝሰማዕናዮ ክንነግር ኢዩ ኢዩ ዝግብኣና።(ማቴዎስ10፡27)ደው ኢልና ደኣ ዋላ ነቲ ቅድሜኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓቂ ክንድርግሖ ኢዩ ዘሎና።
ሎሚ ስም ክርስቶስ መከራ ክወርደና ከሎ ባህ ክብለና ኢዩ ዘለዎ።(ሉቃስ6፡23)(ማቴዎስ5፡12) ንሕና ክርስቲና ናይ ወለዲና ስለዝኾነን ከምኡ እውን ሓያላትን ብቁዓትን ክርስቲያናት ስለዘይኮናን ፡ብቁዕ ክርስቲያናዊ ህይወት ስለ ዘይብልናን እንበር ነገረ ክርስቲና ቀሊልል ኣይኮነን።ፈተና ጎኒፉካ ስለ ስም ክርስቶስ ተጻሪፍካ ዶ ትፈልጥ ብሓቂ ፈተና ወይ ድማ መከራ ስለ ስም ክካሊእ ዘይኮነስ ስለ ስሙ ተዘይ በጺሑካ ክርስቲናኻ ኣጣራጣሪት ኢያ።ቃል ኣምላኽ ኣይሕሱን ኢዩ ጊላ ከም ጎይትኡ ኢዩ ዝብል እኮ።(ማቴዎስ10፡25) ን ክርስቶስ ነቲ ህያው ብኤል-ዜቡል ኣለዎ ዝበለት ዓለም ሎሚ ንዓኻ ስሙ ስለዘልዓልካ ክንደይ ዘይትብለካ።

እቲ ተመሃራይ ሃዋርያት ካብ ሃዋርያት ኣይበልጽን ኢዩ፡ተማሂሩ ምስ ወድአ ዝፅበዮ ዕጫ ሃዋርያት ኢዩ።ንሱ ድማ ክስጎግ ኣለዎ።ክግለል ኣለዎ።ሽሙ ኽኸፍእ ኣለዎ።ንሃዋርያት መናፍቃን ስለዝበሉዎም መናፍቅ ክበሃል ኣለዎ።(ግብሪሃዋርያት24፡14) ነቲ ስለ ሓጥያትና ዝሞተ ዝሰቀሉ።ንቅዱሳን ከኣ ስሙ ስለ ዘልዓሉ ጥራሕ ዝገረፉን ዘሳደዱን ንዓና ክቅበሉና ክንጽበ መንፈሳዊ ዕሽነትን የዋህነትን ኢዩ።ቃል ኣምላኽ ተመሃሪ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን ኢሉና ኢዩ።ንሓዛ ደኣ ን መከራስ።(ሉቃስ6፡40)(ማቴዎስ10፡24)መን ኢዩ መባእታን ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ከይወድአ ይንቨርስቲ ዝሓለፈ ህይወት ክርስቲና ከኣ ከምኣ ኢያ።ክርስቲያን ተኾንካ ብፈተና ክትሓልፍ ኣለካ።ይቅጽልልልል
 etiqalsgakone@gmail.com
fathermusieshishay@gmail.com

No comments: