Post più popolari

Tuesday, 11 June 2013

2ይ ክፋል ክብሪ ኢየሱስ ዘይተዋሕጠሎም እኩያት ዓየይቲ።

2ይ ክፋል ክብሪ ኢየሱስ ዘይተዋሕጠሎም እኩያት ዓየይቲ።

እምነት ንብላ እንበኣር እታ ብቃል ክርስቶስ ዝቆመት እምነት ደኣ ኢያ።እታ ብቃል ካሊእ ዝኾነት ምስ ቃል ክርስቶስ እትጋጮ እምነት ግን እምነት ክንብላ ኣይንኽእልን ንሳስ ምድራዊትን ሓላፊትን ስጋዊትን ጠባሪትን ኢያ።እታ ብቃል ክርስቶስ ዝቆመት እመነት ንኣምን ብሓደ ኣምላኽ ኢላ ኢያ ትጅምር ብኣኣ ድማ ትፍጽም።እንተ ኾነ ህጂስ ሓዲኡ ክንመርጽ ኣለና ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓጺፍና ምቅማጥ ወይ ድማ  እቲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ካልእ ቃል ካልእ ንኸነምልኽ ዝደፋፍኣና ዘሎ ስምዒትና ደው ከነብል ኣለና።ክልተ ተጻረርቲ ነገራት ግን ብሓደ ኪኸዱ ኣይክእሉን ኢዮም።
ብዓቢ ካብቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንሰባት ኣበ ነፍሲ ኣበ ነስሓ ኮይና ክንሕዞም ከለና ዕላማ፡ኣባት ነፍሲ ስለ ዝጠፍኣና ኢዩ።ንሰብ ኣበ ነፍሲ ትሕዞ ከም ሓላፍነት ወሲድካ ናብ መንግስቲ ሰማይ ክትመርሖን በቲ ጥንታዊ መገዲ ከተማላልሶን ክትኩስኩሶን ደኣ እንበር ካልእ ትምህርትን ኣካይዳን ዘይ ክርስቶሳዊ ምልሚማድ  ኣብ የእምሮኡ እንዳ ኣሕደርካ ።ብህይወት ናይቶም እንመርሖም ዘለና ሰባት ኣምላኽ ክሓተና ከም ዝኾነ ክንርዳእ ኣሎና።(ኤርምያስ23፡1)እቶም ነባጊዕ መጓሰ ዜጥፍኡን ዚዘርዉን ጓሶት ወይለኦም ይብል እግዚኣብሄር።(ህዝቅኤል3፡18)ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ ምስ በልክዎ፣ እንተ ዘይመዐድካዮ፣ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ከትድሕን፣ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፣ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።(ህዝቅኤል3፡20)
ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፣ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፣ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፣ ብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።ከም ዝበሎ ኩሎም ዝጠፍኡ ዘለዉ ብፍላይ ናይቶም ከም ኣቦታት እንኣልዮም ተሓተቲ ምዃና ክንፈልጥ ኣሎና።
ከምቲ ቃል ኣምላኽ(ህዝቅኤል34፡3) ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፣ ጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን።ክኸውን ኣይግባእን።ጓሶት ኣምላኽ ን ኣምላኽ ብቅኑዕ መገዲ ስለ ዘይደለዩዎ ድማ ኢዩ ሞጓሰና ፋሕ ኢሉ፡ፈቀድኡ ኣደዳ ተፋላለዩ ጉጅለታት ኮይኑ ንርእዮ ዘለና።(ኤርምያስ10፡21)ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ።ክኸውን ዝግብኦ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበለና ደኣ ኢዩ።(1ይጴጥ5፡21)ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ኢዩ ዝብለና ነቲ ቃል ብእምነት ኣንቢብና ነስተንቲኖ ከም መጻሕፍቲ ታሪኽ ኣይንርኣዮ።
እዞም ክብሪ ክርስቶስ ዘይተዋሕጠሎምን ዘይግደሱን፡ ኣንኳን ከም ጓሶት ክጸሩኻስ ክትጸሮም እኳ ኣጸገምቲ፡ናይ እዝግሄርን ናይ ብሄርን ።ናይ ፈጣርን ፉጡራትን ኣጣሚሮም፡ዝኸዱ ጓሶት ሎሚ ዕላማኦም ከመይ ገርካ ሰበኽቲ ወንጌል ካብ ቤተ ክርስቲያን ይርሕቁ ምጽዓር ኢዩ ስርሖም።
ካልእ እቲ ዋና መርዓ ዝኾነ ክርስቶስ ንዓና ዝጸወዓና ካብቲ መርዓ ንሰባት ክንሰጉግግ ዘይኮነስ ናብቲ መርዓ ክንዕድም ኢዩ።ንሶም ግን ቃል ክርስቶስ ኣይንታዮምን ኢዩ።ንዕኦም ዘገድሶም ኣምልኾ ማለት ባህሊ ስለዝኾነ ከመይ ገይሮም ይነብሩን ሰብ ይቅበሎምን ጥራሕ ኢዩ።(ራእይ22፡17)እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።ደኣ በለ እንበር መርዓት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያንን መርዓዊኣ ዝኾነ ክርስቶስን ንዓ እንዳበሉ ኣንታ ትሰምዕ ኸኣ ንዓ በል እንዳተበሃልካ ጸማም ኮንካ መዋእልካ ክትጉይተት ኣይኮነን።
ብ ማንም መምዘኒ ሰብ ክብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ሰባት ጸብልለል ክብል ኣለዎ ክብሪ ኢየሱስ ልዕሊ ማንም ክብሪ ጸብለል ክብል ኣለዎ።ኢየሱስ ስለዝበለ ከም ጸላኢ ክርኣ ኣይግባእን።ብዙሕ ግዜ ብተጻረርቲ ዝርአ ክሲ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝግባእ ክብሪ ኣይትህቡን ክብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክስረቅ ስቅ ኢልኩም ትርእዩ።ተዋህዶ ዝግባእ ክብሪ ንክርስቶስ ኣይትህብን።ገለ ጽሑፋት ድማ ብዘይካ ንክርስቶስ ስለሓጢኣት ሰባት ዝሞቱ ኣለዉ ዝብሉ ኣለዉኹም ዝብል ክሲ መዓልታዊ ይመጸና ኢዩ።

እዚ ምስቲ ኣብቶም ስም ኢየሱስ ብምልዓሎም ፈተናን መከራን ዝወርዶም ክርስቲያናት ኣሕዋትና  ክርአ ከሎ ዋላ ኣፍና ኢየሱስ ንበል እንበር ልብናስ ብጣዕሚ ርሑቅ ምህላዉን ንክርስቶስ ጸጋኡ ደኣ እንበር ንዕኡስ ከም ክርስቶስ ከምዘይተቀበልናዮን ከም ብሓድሽ ስብከት ወይ ድማ ብስራት መን ኢዩ ወልድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ከድልየና ኢዩ።እዚ  ከም ዘድልየናን ንገብሮ ዘሎና ስራሕና ምስክር ኢዩ። ነገር ከምዚ ዝርእዮ ዘለኹ፡ይነኣስ ይዕበ ነፍሲና ክንፍትሽ ገይሩና ካብ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ።እዚ መዓልታዊ ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝመጽእ ክሲ ግን ከይዕረ እሞ፡ሰብ ኣብ እምነቱ ቀሲኑ ከይነብር ፡ናይ ቄሳርን ናይ ኣምላኽን ናይ ፍጡራትን ፈጣርን እንዳሓዋወሱ ክነብሩ ዝደልዩ ዕንቅፋት ዝኾኑ  ክብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይተዋሕጠሎም ሰባት ኣብ ማእከልና ምህላዎም ኢዩ እቲ ጸገም፡ሎሚ ነዞም ሰብ እቲ ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከይፈልጥ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣብ ሓቂ ወንጌል ከይነብር ተለኣኣኽቲ ሰጣን ክኾኑ ዝመረጹ።(ቲቶ1፡11) ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።ንሕና ብ መገዲ ቅዱሳን ኢና ክንከይድ ንደሊ።ንሶም ዋላ እኳ ወንገን ቅዱሳን ክኾኑ እንተፈተኑ ደቂ ቅዱሳን ተዝኾኑ ነይሮም ሲ ግብሪ ን ቅዱሳን ምገበሩ ነይሮም።ቅዱሳን ወንጌል ን ኢየሱስ ነቢሮም ን ኢየሱስ ሰቢኾም።ቤተ ክርስቲያን ርእሳ ክርስቶስ መሰረታ ድማ ክርስቶስ ኢዩ።(ኤፌሶን5፡22-23) መርዓት ክርስቶስ ድማ ኢያ ንሳስ ጓና ክገብሩዋ ደኣ ይጽዕሩ ኣለዉ እንበር ኣካል ክርስቶስ ኢያ።(1ይቆሮንቶስ6፡15) ።ይቅጽልልል
        etiqalsgakone@gmail.com

No comments: