ተስፋ ኣይቆርጽን !!::
ኣብ እግዚኣብሄር ዝትኣመነ
መን ኢዩ እሞ ዝሰኣነ
ክጽበየ ብህድኣት ዝኾነ ተኾነ
ተስፋ ቆሪጸ ጸገም ዙርያይ ክኸቦ
ሰጣን ተስፋ ከቅርጸና ተበለ ተስፋ ዘየልቦ
መከራይ በዚሑ ገጸይ ብንብዓት ተሓጸቦ
ተስፋ ኣሎኒ መልሰይ ካብቲ ልዑልየ ዝረኽቦ
ዓለም መራር እሾኽ እንተኾነትኒ
ምኽሪ ረሲኣን ምሕላፍ ተኸልኣኒ
ኣብቲ ከኣሊ ኣነስ ተስፋ ኣሎኒ
ነፍሰየ ህድኢ ኣተጨንቅኒ
ከመስግኖየ ጋና ነቲ ዝፈጠረኒ
ነፍሰይ ንምንታይ ትህውኽኒ ኣብ ውሽጠይ
ኣነስ ተስፋ ኣይቆርጽን ኣብ ኣምላኸይ
ይጽበ ኢየ ዘለኹ ክዝከር ንብዓተይ
ማይ ክመልእ ዒላይ
እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት
ውርደታ ተቀየረ ናብ ክብረት
ዘከራ መድሕና ተስፋ ስለ ዘይቆረጸት
ንግሆ ምድሪ ሰኺርኪ ዝተባህለት ሃና
ላግጺ ሰባት ምሕረት ከም ዝኾና
ንዓይ እውን ቀልዲ ናይ ግዜየና
ክረኽቦ ካብ ኣምላኽ ክጽበየ ጋና
መጻወድያ ከብዝሕ ኣምላኽ እዛ ዓለም
ብርሃነይ ከጥፍእ ከሪአኒ ጸላም
ዋላ ተበለኒ ኣኺሉኳ’ዩ ደጊም
ኣነስ ተስፋ ኣቅይቆርጽን
ምስላጥ ሓጥኣን ዓይነይ ክርኢ
ንዓይ ግን ጸቢቡ ክስእን መውጽኢ
ብንብዓተይ ዋላ ይስሓቅ እቲ ጸላኢ
ጋና ክጽበዮየ ነቲ ፍትሒ መውጽኢ
ክሳዕ ዘለኹ ኣነስ ብህወት
ክጻባበዮ’የ ንናይ ኣምላኽ ድሕነት
ዋላ ኩሉ መሪርይኹን ዘይብሉ መቀረት
ይፈልጥ ኣብ ኣምላኽ ከምዘየሎ ሕፍረት
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
fathermusieshishay@gmail.com
No comments:
Post a Comment