ካልእ
ወንጌል
የሎን።
ወንጌል ዝበሃል ናይ ክርስቶስ ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ጥራሕ ኢዩ።ብሽም ወንጌል ገርና ካልእ ከነተኣታቱ ዘይኮና ዝግባእሲ ን ወንጌል ክንምህራ ደኣ ይግብኣና።እዚ ወንጌል እዚ ብዛዕባ ሰባት ኣይኮነን ዝዛረብ ብዛዕባ እቲ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ዝኾነ ክርስቶስ ጥራሕ እንበር።
ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ።1ይ ጢሞቴዎስ 1:11: እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።ወንጌል ናይ ክርስቶስ ምካኑ ይገልጽ፡2ይ ቆሮንቶስ 2:12:።ወንጌል ሰቢኸ ክብል ተኾይኑ ሰብ ብዛዕባ ስርዓቱን ጉዳዩን ዘይኮነስ ብዛዕባ ኢየሱስ ተተዛረበ ጥራሕ ኢዩ።
ቅዱሳን ነዚ ገይሮም (ግብሪ ሃዋርያት 8:35)(ገላትያ 1:9)ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን እብል ኣለኹ።መን ኢዩ ብዘይካ እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰበኾ ወንጌል ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ ዘሎ??።ዉጉዝ ይኹን ይበሃል ኣሎ።(ገላትያ 1:6)ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ።
እዞም ወንጌል ክርስቶስ ክንልውጥ ንጽዕር ዘለና ብሽም ወንጌል ካልእ ብምትእቲታው ንስም ኢየሱስ በቢ ቁሩብ ኣህሲስና ካብ የእምሮ ኣመንቲ ክርሕቅ ንገብር ዘለና ሎሚ ንገብሮ ዘለና ደው ነቢሎ።እዚ ኹሉ ካብ ክርስቶስ ወጺእካ ዝግበር ዘሎ ዕግርግር ካብ ተኺሎ ናብ መንብሮ ነቲ ብሃዋርያት ተወሃበና ወንጌል ንምቅያር ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ነዞም ዘዕገርግሩናን ዝርብሹናን።ክሲታት እንዳ ቀያየሩ ዝህውቲቱን ነስተውዕለሎም ደኣ ነቲ ወንጌል
ክርስቶስ ክልውጥዎ ስለ ዝደለዩ ደኣ ኢዮም።(ገላትያ1:7)እዚውን
ገለ ዜዕገርግሩኹምን
ነቲ ወንጌል
ክርስቶስ
ኪልውጥዎ
ዚደልዩን
ከም ዘለዉ
ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።
ቤተ ክርስቲያና ከም ቀዳመይቲ ተቀባሊት ወንጌል ጥራሕ ዘይኮነትስ ፡ከም ኣብ ወንጌል ዝተሰረተት ቤተ ክርስቲያን ካብኡ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከተብል ኣይግባእን።ካብኡ ንጸጋም ገለ መምህራን እንዳ ዘንበሉ ክንደይ ጽሑፋት ተጻሒፎም እንዳ ሃለዉን ቅድመይ ዝነበሩ እሞ ዘይተዛረቡ ኢልካ ትገብሮ ስቅ ብለምጺ ዘቅጽዕ ኢዩ።ቃል ኣምላኽ ን እወ እወ ን ኣይኮነን ድማ ኣይኮነን ክንብል ይጽወዓና።
ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ኢሎም ብምርማር መምህራናን እንተ መሃሩዎ ነዚ ህዝብን እቲ ህዝቢ እውን ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ይብል ኢሉ መርሚሩ እንተ ኣመንን ደኣ ኢዩ እቲ ምድሓን ዝርከብ።ወንታይ ደኣ ንኹሉ እቲ ብድሕሪ ወንጌል ብድሕሪ መጽሃፍ ቅዱስ ዝመጸ ጽሑፋት ብ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ገርና ሳንሱር ክንገብሮን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ክብሪ ኣምላኽን ስልጣን ኣምላኽን ዝምንዝዕን ከነርሕቅ ኢዩ ዝግብኣና።

እዚ ወንጌል እዚ ድርሰት ኣይኮነን።ወይ ዳክትሪን ኣይኮነን፡ወይ ድማ ሓሳብ ሓደ ሰብ ሓሳብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ ሓሳብ ኣምላኽ ኢዩ።እዚ ወንጌል እዚ ከም ቅዲ ሰብ ኣይኮነን።ቅዱስ ጳውሎስ ከምኡ ከምዘይተመሃሮ ይዛረብ።እንታይ ደኣ ብምግላጽ ኢየሱስ ክርስቶስ እንበር።ብምግላጽ ሰብ ኣይኮነን።ሰብ ዘይኮነ ገሊጹሉስ ኢየሱስ ክርስቶስ።ምስክሪነት ሰብ ዘይኮነስ ምስክሪነት ኣምላኽ ኢዩ።ሎሚ መምህራን ኢና ዝብሉ ከይስጎጉ ፈሪሖም ካብ ሞግዚት ሓሶት ዝኾኑን።ወንጌል ምስባኽ ኣቋሪጾም ካልእ ዝሰብኩን ንክርስቶስ ክሰብኩ ኢዩ ዝግባእ።ናይ ኣፍ ዘይኮነ ደቂ ቅዱሳንሲ ናኣይ ግብሪ ደቂ ቅዱሳን ንኹን።
ቅዱሳን ን ወንጌል ክሰብኩ ከም ተሰየፉ ደኣ እንበር።ኒናይ ሓደ ታሪኽ ሰብ ክብሉ ኣይተሰውኡን ወይ ድማ ኒናይ ሓደ ክብሪ ፍጡር ክብሉ ኣይተሰየፉን መከራ ኣይጸገቡን።ወይ ድማ ን ገለ ነገስታት ክብሉ ኣይኮኑንን መከራ ዝጸገቡ።ንሶም ሲ ስለ ስም ኢየሱስ ስለ ወንጌል ደኣ ኢዮም።
ስለዚ ወንጌል ንስበኽ።(ገላ1፡11-12)እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበል።ሰዓቢ ቅዱሳን ዶ ኢኻ??።ንዓ ንክርስቶስ ጥራሕ ስበኮ፡ቅዱሳን ንዕኡ ክሰብኩ ተሰጊጎም ተቀቲሎም ተሃሪሞም።መምህር እንዳ ተበሃልካ ናብቲ ጽሩይ ወንጌል ኣምላኽ ማይ ብሑቅ እንዳ ሓወስካ ደቂ ቅዱሳን ኢና ምባል ግን ዋላኳ ነዚ መስኪን ገርሀኛ ህዝቢ እንተ ኣታለልካዮ እግዚኣብሄር ግን ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ እታ ዝኸሓድካያ ሓቂ ክሓተካን ክገርፈካን ኢዩ።እትወሃበካ ኸኣ ሓደ መልሲ ኢዩ።እታ መልሲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበላ ኢያ ንሱ እንታይ ኢሉ።
(ወንጌል ዮሐንስ 8:39)ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፥ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።ክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም አሎኹ። ወዲ ቅዱስ ጅወርግሽ ኢየ ዝብል ተኾይኑ ከም ቅዱስ ጀወርግሽ ንክርስቶስ ክምስክር ኢዩ ዝስየፍ።ቶም ንክርስቶስ ዝምስክሪሉ ሽሞም እንዳ ኣኽፋእካ ኣይኮነን ወንጌል ይሰብክ ኣለኹ ምባል።ወዲ ቅዱስ ጳውሎስ ተኾይኑ ከም ጳውሎስ ኢየ ስለ ወንጌል መከራ ዝጸግብ።ወዲ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኾንካ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኢኻ ስለ ወንጌል እትስየፍ። ስለ ካሊእ መልእኽቲን ስለ ኻልእ ፍጡራትን ስለኻልእ ትምህርቲ ኣይኮነን።እንበኣር ካሊእ ኢየሱስ የሎን ካልእ ወንጌል ከኣ የሎን።ካልእ መድሓኒ የሎን።ምድሓን ብ ኢየሱስ ጥራሕ ኢዩ ።ብኻልእ እንድሕነሉ ስም ፍጹም የሎን። (ግብ4፡12)ቅዱስ ይኹን ወይሲ ሓጥእ ዘሎ ይኹን ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን የሎን።
ብኻልእ ምድሓን ኣሎ ዝብል ዋላ መልኣኽ ካብ ሰማይ ዝመጸ ዉጉዝ ይኹን ይብሎ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ወገናተይ።ኣንኳን ሰባትሲ ዋላ መልኣኽ መቸስ ካብ መልኣኽ ንላዕሊ ቅዱስ ፍጥረት የሎን።ሎሚ ግን እዚ ኾይኑ እንዳ ሃለወ እቲ ሓቂ ፈሪሕካ፡ዓቢጥካ ክትከይድ ብጣዕሚ በደል ኢዩ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ።
(ገላትያ1:8) ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።(ግብሪ ሃዋርያት4:12)ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። ወንጌል ከምኡ ኢዩ ዝብል።

ምድሓን ብኻልእ ኣሎ ዝብል ትምህርትን መጽሓፍ ግን ካልእ ወንጌል ደኣ ኢዩ።ነዚ ድማ ኢዩ ቅዱስ ጳውሎስ ኣውጊዙዎ፡መን ኢዩ ጸሓፊኡ ብዘየገድስ ዋላ መልኣኽ ይኹን ኣነ ዘይኮነስ ቃሉ ኢዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ።(ገላትያ1:8)ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። እንበኣር ካልእ ወንጌል የሎን ።ካልእ መድሓኒ እዉን የሎን ።እንበኣር ክብሪ ፡ውዳሴ፡ስግደት፡ንዕኡ ነቲ ኣብ መስቀል ደሙ ብምፍሳስ ህይወት ዝሃበና መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ኢየሱስ ይኹን ኣሜን ኣሜን።
No comments:
Post a Comment