Post più popolari

Tuesday 20 November 2012

እቲ ስለኻ እተሰቅለ::

                                              እቲ ስለኻ እተሰቅለ::
                                   
እቲ ስለኻ ዝተሰቅለ
ምስ ገበኛታት ዝተቆጽረ ንጹህ ኢየ ከይበለ
ይጽወዐካ ኣሎ ካብ ዓልም ክትፍለ
ካብ መገዲ ጸጋም ናብ የማን ተኣለ
ተቀበሎ ኣብ ኣፍ ደገ እንሆለ
ክኸፍተኒ ኢዩ ኢሉ፡ ኳሕ ኳሕ እንዳበለ

ፍቅሩ ኣይወደአን ትፍቅሩ ዘይውዳእ
በጃኻ ተመልስ ይብለካ ኣሎ ከይትጠፍእ
ኣብ ሰማይ ምስ ከድካ ከይኮነካ መርድእ
ቃል ኣምላኽ ተመሃር ምስኡ ብግቡእ
ፍቅሩ ይሓዝካ ነዛ ዓለም ጽላእ
ልቦና ይሕደርካ ንሕዋሩ ኣይትጠፍእ


ንሱ !
ንሱ እቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለልካ
ከመይ ገርካ ስቅ ትብል እንዳ ጸወዐካ
ክንዲ ሂወት ክህበካ ዝበለ ካብ ሞት ከውጽኣካ
እምቢ ኢልካ ክትኸይድ መገዲ ሞት ሒዝካ
በጃኻ ኣይትዓሹ ኣይትጻወት ብ ሂወትካ
ጽባሕ እህህ ከይትብል ሲኦል ምስ ከድካ
ንጻዊዒት ቃሉ ኣይተጽምሞ እዝንኻ

እቲ ሰማይን ምድርን ዝእዘዝዎ
እቲ ኩሎም ፍጥረታት ዘመስግንዎ
እቲ ኩሎም መላእኽቲ ዘምልኽዎ
ምስኡ ክትድረር ንዓኻ ናጻ ገይሩዎ
ስለምንታይ ስቅ ትብል ልብኻ ክትዓጽዎ
ይጽወዐካ ኣሎ፡ክትሓብር ምስቶም ዘምልኹዎ

ንሱ እቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ስለኻ
ካብ ሰማይ ዝወረደ ስሒቡዎ ፍቅርኻ
ክጽወዓካ ከሎ ከተትርር ልብኻ
ንጻዋዒት ኣምላኽ ከም ዋዛ ሪኢኻ
ከይቁጠዓካ  ተመለስ በጃኻ
ዝሓለፈ ይኣክል ኣብ ዓለም ግዜኻ
ህጅስ ን ፈጣሪ ሃቦ ትዕድመኻ

                              ርአ እሞ !
ርአ እሞ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ፍቅሩ
ፈጣሪ እንከሎ ልዕሊ ኩሉ ክብሩ
ክሳዕ ኣብ መብልዒ ማል ክንድዚ ሓሲሩ
ከሳቅይዎ ብ ተፈላለየ መቅጻዕቲ እንዳ ገበሩ
ንዓይን ንዓኻን ንምድሓን ኢዩ እኮ ትምስጢሩ
ኣቦኻን ኣደኻን እኳ ስለኻ ከምዚ ዘይገብሩ
ተመለስ ናብ ቤቱ  ከይመጸ ብኽብሩ
ህላወ እዛ ዓለም ከየብቀዐ ንሓዋሩ

ይኣኽለካ ዕብዳን ጎይታ ዘይከብረሉ
ናይዛ ዓለም ነገር ሓላፊ ኢዩ ኩሉ
ብዙሓት ከምዚ ከማኻ ክንደይ ዘይተታለሉ
ሞት ዘርከበቶም እንዳበሉ ነርክበሉ
ኣብ ላዕሊ ምስ ከዱ ብሓዊ ተቃጸሉ
ንስኻ እውን ንምንባርካ ሃየ ሓሰበሉ
ኣምላኽ  ዝጉህየሉ ትገብር ከይትህሉ
እቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለ ይጽበየካ ኣሎ ባዕሉ
ግደፍ ከይተእዊ ልብኻ ኣይትዕጸወሉ
ተነሳሕ ይኣኽለካ ን ኣምላኽ ኣይትቀልደሉ

                               እንበር ከ !
እንበር ከ ነቲ ስለና ተሳቀየ
ንዑ ተመለሱ እንዳበለ እንዳ ኣድሃየ
እምቢ ክንብሎ ክምሕረና እንዳ ደለየ
ከመይ ገይሩ ይኸውን ሕሰብ እስከ ሃየ
በጃኻ ሰዓት ከይመጸት ግዜ ዋየ, ዋየ,
ግዜ ሂቡካ እንሀለ ተነሳሕ ደኣ ጉየ
ከም ሰራቂ ከይመጸካ እንዳበልካ ደሓንየ

እንበኣር
እንበር እቲ ኣብ መስቀል ዝወዓለ
ይጽበ ኢዩ ዘሎ ካብቲ ዘለኻዮ ክትእለ
ክቅበለካ  የእዳዉ ዘርጊሑ እንሀለ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ ኣብ ጥቃኻ ድለ
ናብ ቤቱ ምጻእ በሎ ኦ ጎይታ በዲለ (3)
        ሓውኻ /ቀሺ ፡- ሙሴ ሽሻይ
                                  
            etiqalsgakone@gmail.com

No comments: