Post più popolari

Saturday 8 November 2014

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ካብ 1ይ ክፋል ዝቀጸለ ናብ 2ይ ክፋል ይቅጽል።

   ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ 

ካብ 1ይ ክፋል  ዝቀጸለ ናብ 2ይ ክፋል ይቅጽል።

“ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ቀዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 ኣንብቡ ኢለ እንድየ ተፈልየኩም ኔረ ሓቀይ?! ንስኹም ከ፡ ተስፋ ዘስንቕ ዶ ተስፋ ዘቝርጽ መልሲ ኢኹም ኣዳሊኹምለይ ዘለኹም?! “ክርስቲያን ተስፋ ኣይቈርጽን’ዩ!” ኢሉ ዝሰብኽ ዝነበረ፡ ንባዕሉ ተስፋ ክቘርጽ ክትርእዮ ከለኻ ኸኣ’ባ ክኸፍእ! እቲ ካብ ሰማይ ሓዊ ከምዝወርድ ዝገበረ፡ እቲ ንነብያት በዓል ዘጥፍአ፡ እቲ ዝናብ ከይዘንብ ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ሰማያት ዝረገጠ፡ ነቢዪ ኤልያስ፡ ‘ብምፍርራህ ኢዛቤል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ፡’ ዝብል ከተንብብ ከለኻስ፡ ተስፋ ኣየቍርጽን ዶ?! ብርግጽ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝርኢ፡ ዓቢ ኣገልጋሊ ክወድቕ ከሎ እንተረአየ፡ ብሓቂ ተስፋ ክቘርጽ ይኽእል’ዩ። ብዓይኒ እግዚኣብሄር ግን ኣይከምኡን። “ጻድቕ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ ግናኸ ይትንስእ” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ!” ነቲ ምውዳቕ ዘይኮነ እምበኣር፡ ነቲ ምትንሳእ ንጠምት እየ ክብለኩም ደልየ ዘለኹ… እስከ እቲ ኣብ ህይወት ነቢዪ ኤልያስ ዘጋጠመ ኸኣ ንርኣዮ።

እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፈርሀን ተዳህለን

ፍርህን እምነትን ክልተ መጻርርቲ ነገራት ክንሰን፡ እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግን፡ ብዘረባ ኢዛቤል ተዳሂሉን ሰምቢዱን ክሃድም ከሎ ኢና ንርእዮ ዘለና። እወ፡ ነፍሱ ንኸድሕን ክብል፡ ንጊልያኡ’ውን ከይተረፈ፡ ረጥሪጡ ክሳዕ ዝኸይድ፡ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዚ፡ ንኹሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ክሃድም ከሎ ንርእዮ ኣለና። ብርግጽ፡ ነቲ “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ” ዝብል ኣበሃህላ ሕጂ ግርም ርዒምኩሞ ክትኰኑ እምነተይ እዩ። “ስለምንታይ ደኣ’ሞ፡ ዓበይቲ ኣገልገልቲ እንተወደቑ ዘገርመና?!” ብመሰረቱ’ውን’ኮ ናብቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ዝኾነ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ክንጥምት እምበር፡ ንዝኾነ ኣገልጋሊ ኣርኣያ እምነት ጌርና ክንጥምቶ’ኮ ኣይተጸዋዕናን። ስለዚ ብፍቕሪ ተደሪኽናን ተመሊእናን ደኣ ስለ እቶም ደኺሞም ዘለው ንጸልን እቲ ዝግባእ ከኣ ንግበርን እምበር፡ ንምሕማይ፡ ንምኽሳስን፡ ኢድ ንምውጥዋጥንሲ ኣይንተሃንደድ ደኣ፡ እዝስ ፍጹም መንፈሳውነት ዘለዎ መገዲ ኣይኮነን።

እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ሞት ተመነየ

“ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ፡” ይብል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ። በጥ ምባሉ’ኳ ዘገርም እንተኾነ፡ እዚ ድቃስ እዚ ግና ናይ ጥዕና ድቃስ ኣይምሰልኩም። ከምኡ ካብ ሕብረት ኣሕዋት ተፈልዮም ጽቡቕ ዘዕርፉ ዘለው ዝመስሎም ኣሕዋትና’ውን ጽቡቕ ከምዘየለዉ፡ ንሶምን ንሕናን ክንርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ካብ ሕብረት ኣሕዋት ነዊሕ ዝጠፍአ ሰብ፡ “ግደፈኒ ጽቡቕ ኣለኹ” እዩ ዝብለካ… ግና እቲ ሞት ዝተመነየ 

   
ኤልያስ፡ ካብ ድኻሙ ምስ በርትዐ፡ ብሰረገላ ሓዊ ደኣ ንሰማያት ዓረገ እምበር ዛጊት ሞት ከምዘይጠዓመ ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ እግዚኣብሄር ዘገርም ነገር ኣድልዩሎም ክህሉ ስለዝኽእል፡ ስለቶም ኣብ ድኻም ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጸሎትን እቲ ዝግባእ ነገር ብምግባርን ክንድግፎምን ከነበራትዖምን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ።

ነቲ ብድኻም ዝተሰነፈ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ መልኣኽ መጺኡ ነቕነቖ

“እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ” ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን! ለካ እግዚኣብሄርሲ ነቶም ናቱ ዋላ ኣብ ድኻም’ውን ኣይሓድጎምን እዩ። እዚ መልኣኽ ዝገበሮ ግብሪ፡ ሎሚ ኣነን ንስኹምን ክንክተሎ ዝግባእ መንፈሳዊ ግብሪ እዩ። ኣበይ ደኣ’ሎ’ሞ እቲ ናይ ምንቕቓሕ መደብ ቤተክርስቲያን? ምናልባት ዶ ኾን ሓንሳእ ጌርና ተሓሊልና ንኸውን?! እቲ ብዛዕባ ኤልያስ ዝተጻሕፈ ቅዱስ ጽሑፍ ግና፡ “ በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ” እዩ ዝብል። ኣብ ቀዳማይ ናይ ምንቕቓሕ መደብ ተሳቲፉ፡ መሊሱ ናብታ ዝነበራ ድኻም ዝተመልሰ ሰብ እንተጋጠመኩም እምበኣር፡ ሕጂ’ውን ንኤልያስ ደኣ ዘክርዎ እምበር ኣይትገረሙን ኣይትተሓለሉን ድማ።

ነቲ መሊሱ በጥ ዝበለ፡ እቲ መልኣኽ መሊሱ ነቕነቖ

ከይተሓለልካን ከየባተኽካን ብፍቕሪ ምቕስቃስ፡ ወትሩ ናይ ደቂ እግዚኣብሄር መለለዪ እዩ። “እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ፡ ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡ’ውን ሐደረ” ይብል እቲ ናይ እግዚኣብሄር ቃል። ክብሪ ንእግዚኣብሄር ይኹን! ሕጂ እቲ “በጥ በለ” “ደቀሰ” ዝብል ቃላት ተቐይሩ “ኣተወ፡ ሓደረ” ብዝብል ካልእ ቃላት ተተኪኡ ኢኹም ትርእይዎ ዘለኹም። ‘በጥ ምባልን’ ‘ምድቃስን’ ምስ ድኻም ጽኑዕ ምትእስሳር ኣለዎ፡ ‘ምሕዳር’ ዝብል ቃል ግን ንቡር ህይወት እዩ ዜርኢ። “ደሓን ዶ ሓዲርኩም” ከ’ባ ተበሃሂልና ዶ? ሕመረት እቲ መልእኽቲ እምበኣር፡ ነቲ ደኺሙ ዘሎ ሓውኻ፡ ከምኡ’ውን ነታ ደኺማ ዘላ ሓፍትኻ፡ ከይተሓለልካን ተስፋ ከይቈረጽካን ብፍቕሪ ምቕስቃስ ከምዝግባእ እዩ። እወ፡ ነቲ ሕጂ ትዝክሮ ዘለኻ ሰብ፡ ነታ ሕጂ ትዝክርያ ዘለኺ ሰብ ወይ ተሌፎን ድዩ ወይ ብጽሑፍ ድዩ፡ ወይስ ብኣካል ተራኺብኩም ድዩ፡ ዘበራትዕ ቃል ኣምላኽ ንገርዎም። “ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ …” (ኣብ ቍ3 ይቕጽል)

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

https://www.facebook.com/photo.php?fbid=1008994669126612&set=gm.684691971630206&type=1&theater

No comments: