Post più popolari

Friday 15 February 2013

ብውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን


ብውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ተሪኢናዮም ደገኦም ውሽጦምን ዝተፈላለየ ሰባት ነይሮም።በዚ ተደሪኹ ድማ ኢዩ ጎይታ፡ኣታ ዑዉር ፈሪሳዊ ነቲ ዋንጫን መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ኣጽሪዮ።ምእንቲ  ጽሩይ ክኸውን።ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽሪዮ። (ማቴ23፡26)
ኣምላኽ ውሽጥና ክንጸሪ ይደልየና።ኣምላኽ ቅድም ውሽጥና ከነዕሪ ይደልየና፡ኣምላኽ ቅድም ናይ ህይወትና ፈሊጥና ህይወትና ምስ ኣዐረና ክንምለስ ይደልየና።ህይወትካ ከይተለወጥካን ን ሰብ ክትልውጥ ምሕሳብ ግን ኮንቱ ጻዕሪ ኢዩ።
(ሮሜ2፡28-29) ብዝረኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኮነን እሞ፡እታ ብዝርኤ ኣብ ስጋ እትገብር ግዝረት ‘ውን ግዝረት ኣይኮነትን።እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ ግና ንሱ ኣይሁዳዊ ኢዩ።እታ ግዝረት ልቢ ብ መንፈስ ኢያ እንበር።ብፊደል ኣይኮነትን።እቲ ንእዶ እውን ካብ ኣምላኽ ኢዩ እምበር ካብ ሰብ ኣይኮነንን።
ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ማለት ሃይማኖተኛ ዘይኮነ ሰብ ፡ካብቲ ዝገብሪሮ፡ በቲ ጻድቅ መሲሉ ክርአ ክፍትን  ከሎ በቲ ድማ፡ካብ ውሽጢ ልቡ ዘይናይ ኣይሁዳዊ ባህሪ ክጎስዕ ይርአ እዚ ብሓቂ ድንጋጸ ዝግብኦ ሰብ ኢዩ።
 ኣይሁዳውነት እኳ ከምዚ ተባህለሉስ ክርስትያን ምዃን ደኣ ኾን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፡ውሽጢ ምልዋጥ ዘየድልዮ።ብውሽጥካ ዲኻ ክርስትያን ዋላስ ብደገኻ ኢኻ ክርስትያን።ብደገኻ ዲኻ ኦርቶዶክስ ዋላስ ብውሽጥኻ ኢኻ ኦርቶዶክስ።እቲ ብውሽጡ ክርስትያን ዘይኮነ እሞ ክርስትያን ኮይኑ ዝስምዖ፡ዝገብሮ ተልዩ፡ካብቲ ዘይ ናይ ክርስትያን መኒነቱ፡ዝጎስዑ ዘይ ክርስትያናዊ ባህሪ ኢዮም።ኣስተውዒልናሎም ዶ ንፈልጥ።
ንሕና ኸ ከመይ ኢና ክርስትያን ዲና፡ውሽጥናኸ።ውሽጥካ ክርስትያን ተዘይ ኮንካ ክርስትያን ኣይኮንካን፡ውሽጥካ ክርስትያን ተዘይ ኮንካ ክርስቶስ ኣብ ልብኻ ክሓድር ኣይክእልን ኢዩ።ክርስትያን ካብቲ ዝፈልዮ ነገር ተልዩ፡ናይ ውሽጢ ምዃኑ ኢዩ።ስለዝኾነ ድማ ኢዩ ጎይታ (ማቴ6፡2-5) “ከምቶም ግቡዛት፡ብሰብ ምእንቲ ኽንኣዱ፡ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባብያትን ዝገብሩዎ፡ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ”ዝበለ።ናይ ሎሚ ክርስትና ካብዚ እንታይ ኢዩ ዝፈልዮ።
ኣስተውዒልና ዶ ንፈልጥ፡ክርስትያን ዘይምዃና ዘረድእ ካብቲ መለለዪ ድማ ካብቲ ክርስቶስ ዘይብሉ ውሽትና ብቅንእን ተንኮልን ሽራን ጸርፍን ክጎስዕ ከሎ።ቅዱሳን ብልክዕ ክርስትያናት ነሮም ተጸረፉ ኣይጸረፉን፡ተሰጎጉ ኣይሰጎጉን፡ሽሞም ጸለመ ሽም ማንም ሰብ እኳ ኣየጸለሙን፡እዚ ድማ ክገብሩ እኳ ዝኽእሉ ተነበሩ፡ውሽጦም ክርስትያናት ብምንባሩ ንኹሉ ብኣርምሞ ይሓልፉዎ ነበሩ።
ሎሚ ግን ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ።እቲ ክርስትያን ዘይኮነ መንነቶም በጨቅ ክብል ትዕዘብ።እወ ይጎስዕ ጸርፍን ፡ሓሶትን፡ክፋእን ተንኮልን፡ጸለመን፡ነፍስኻ ኣጽዲቅካ ንሰብ ከም ሓጥእ ገርካ ብምፍራድ ድማ ኣብ ቅድመ ሰብ ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት ኮይና ክትርአ ምፍትንን ተኾነ።ነቲ ብ ኣምሳል ስላሴ ዝተፈጥረ ክፈርዱዎ ኣየደንጉዮምን።ን ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ኮይኑ ብህድኣት ዘስተውዕል ሰብ ግን መንነቶም ክፈልጥ ኣይእግሞን።ዝገብሮ ድማ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ ካብኦም ምርሓቅ ኢዩ።እሞኸ ክርስትያንዶ ኾን ኢና።
ብጸጋም ኮነ ብየማን ዝግበር ዘሎ ናይ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ወገናት ዘይ ክርስትያናዊ ስነ ምግባር፡ምስ ክርስቶስ ይተኣሳሰር ዶ።እስከ ንሕሰብ፡ክንደይ ሰባት ኢዮም።ብ መልሓስና ዝቀተልናዮም።ክንደይ ሰባት ኢዮም ብንጹሃቶም ዘኽፋእናዮም።ብሓቅስ ክርስትያናት ዶ ኢና።
ክንደይ ሰባት ኢዮም ከ ልቦምን መልሓሶምን ዘይተገዝሩ ኣብ ሞንጎና መምህራን ኮይኖም ክርኣዩ ዝፍትኑ ዘለዉ።ብልቦም ክርስትያናት ዘይኮኑ ግን ከ ብደገኦም ክርስትያን ክኾኑ ዝፍትኑ።ውሽጣዊ ልብሶም ዝሰበበ ደጋዊ ኣልባሶም ግን ብጽባቂ ዘገጸ፡ውሽጦምሲ ከምቲ ደገኦም ተዝኾኑ መን ምሃበ።ብደገኦም ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲኖም ግንከ ውሽጦም ጻዕዳ ህይወት ዘይብሎም፡ብደገኦም ብክራባትና ባድላን ሱፍን ኣጋጾም ውሽጦም ግን ጥርሑ፡ብድዐን፡ትዕቢትን፡ህልኽን ቅርሕንትን፡ንዕቀትን ዝመልኦም።ኣብ ምፍራድ ዝውዕሉ።ብዘይ ካራ ኣሕዋቶም ክሓርዱ ዝውዕሉ።ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ብቅንኢ ዝትንስኡ ዘይተገዝረ ልቢ ዘለዎም ሓቅስ ክርስትያናት ዲዮም።ቃል  ኣምላኽ ከምዚ ይብል።(ዘዳ10፡16) እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ።ክሳድኩም እውን ኣይተትሪሩ።ይቅጽል,,,,,,,።
                 ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
               etiqalsgakone@gamil.com

No comments: