ፍረደለይ
ድቅድቅ ጸልማት ኮይኑ
ከፊኡ እዋኑ
ሓሶት ምስ ነገሰ ትሓቂ ቀይኒኑ
ናባኻ ይጠርዕ ፍርድኻ ክትፍኑ
ገበነኛ
ኢሎም ሓሰውቲ ክፈርዱኒ
መሰኻክር
ሓሶት ዙርያይ ክኸቡኒ
መፈንጠርያ
ይገብሩለዉ ኣብኡ ከውድቁኒ
ናባኻ
ይጠርዕ ፍርድኻ ክትህበኒ
ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም
ጸርፊ ዝኣጽዋሮም
ንንጹህ ዝወግኡ በቲ እከይ ግብሮም
ይመጽኑ ኣለዉ በጃኻ ርኣዮም
ሓራም
ቆጺሮሞ ን ሓቂ ንምእማን
ብግብሮም
ዝፍለጡ ምዃኖም ናይ ሰጣን
ክወግኡኒ
ኣይትሕደግ በጃኻ እባ ፍጠን
ንብዓተይ
ርኣዮ ናብ ብኽያተይ ኣድንን
መሲልዎም ዘይትፈርድ
ከምጽኡ ዝገድድ
ብጥበቦም መሪጾም ንሓቂ ምግራድ
ስቅ ኣይትበል በጃኻ ህጂ ደኣ ፍረድ
ደስ
ዝብሎም እንተኢልካ
ይውድሱ
ይምርቁኻ
ቃሕ
ተዘይ ኢልዎም ከኣ ሰጣን ይሰምዩኻ
ረብሖም
እንበር ዘይግድሶም ክብርኻ
ምስኦምን
ከቢዱኒ ፍረደለይ በጃኻ
ቃልካ ለዊጦሞ ንግዝያዊ ጠቅሞም
ሓሶት ንምዝራብ ፍጹም ዘይጽግሞም
ወንጌል ኮይኑ ትምርጫኦም
ከመይ ሰብ የጥቅዑ ጥራሕ እቲ ሕልሞም
ፍረድ ኣብ ሞንጎና ክሕጎስ ትድኹም
ቃልካ
የንቢብዎ ንሰብ ከታልሉ
እንዳ
ጠዋወዩ ን መስኪን እንዳ ሓንኮሉ
መዛሙሮም
ኩሉ ኣምልኾ ዘይብሉ
ይትንስኡ
ኣለዉ ንቃልካ ክቀትሉ
ሙዉት
ገይሮሙኻ ጠበቃ ዘይብሉ
ፍረደለይ ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ
ኣብዛ ምድሪ ተስፋይ እንኮ ጸግዐይ
ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ነዚ ናተይ ስቃይ
ትጽቢተይ
ኣባኻዩ ካልእ የለን ጥራሽ
ተኣዊጁለይ
ኢዩ ንብላሽ ክበርስ
ስቅ
ኣይትበል ጎይታ ካብ ዝፋንካ መልስ
ናተይ
ኣይኮነን ናትካዩ ትቅልስ
ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ስቅ ኢልካ ኣይትርአ
እቲ ናትካ እንዳ ተወግአ
ህዝብኻ እንዳ ጠፍአ
ፍረደለይ ኣታ ንጉስ ርአ
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment