Post più popolari

Tuesday 19 February 2013

ኢየሱስ ዝብል ስም ብሓቂ እስትንፋስና ኢዩ!!።


ኢየሱስ ዝብል ስም ብሓቂ እስትንፋስና ኢዩ!!።
ዘይተጋህደ ክገሃደሉ ዘይፈለጠ ክፈልጥ። ህጂ እውን ኢየሱስ ዝብል እስትንፋስና ኢዩ።ዋላ ነዚ ስም እዚ ከይንጽውዕ ጸቅጢ ይግበረልና ተሎ ግን በቃ ኢየሱስ ወይ ሞት።ክንሓድጎ ዘይኮነልና ስም ኢዩ።እቶም ኣተሓሳስባ ኣይሁድ ዘለዎም ግን ኣይትሕሰቡዎ ንብሎም።ካብዚ ፍቅሪ ናይዚ ስም እዚ ዝፈልየና መን ኢዩ።(ሮሜ8፡35-36)እንዳሓደረ ዝምቅር እንዳ ወዓለ ዝፍቶ።ዋላ ንሽሙ ጥራሕ ኣልዒልና ስም ካልእ ከየልዓልና ተነበርና የዋጽኣና ኢዩ።
ኢየሱስ ጎደሎ ዘይብሉ ሓገዝ ዘይደሊ ኣምላኽ ኢዩ።ኢየሱስ ዝብል ስም ካብ ኣስማት ልዕል ዝበለ ስም ኢዩ።በዚ ብህጂ ይኹን ንዝመጽእ ንዛተየሉ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ።ኣሜን ጎይታ ኢየሱስ ክበረልና ልዕሊ ምንም ፍጡር፡በዚ  ዝርህቅ ድማ ኣንኳን ሰብሲ ዋላ እዛ ንነብረላ ምድሪ ተጠቅሊላ ተረሓቀት ዝጎድለና የሎን ንሱ ጥራሕ ኣይርሓቅ እቲ ሰንደቅ ዓላማን።
ስለ እዚ ስም እዚ ክምስክሩ ካብ ቅዱስ ድያቆን እስጢፋኖስ ኣትሒዞም  ኩሎም ቅዱሳን ብሰማእትነት ሓሊፎም።ተሓሪዶም ተቀቲሎም፡ ተኣሲሮም፡ተኻላቢቶም፡ኣብ ኣደባባይ ኮለል ኢሎም።ተጸሪፎም፡ሽሞም ጸሊሞም።ዘሎ በጺሕዎም ፡ክቡር ክርስትያን ኣነን ንስኻን ከ ስለ ስም ኢየሱስ እንታይ መከራ ጸውርና ንፈልጥ??።ስለ ስም ኢየሱስ ክትጽረፍ ክትስጎግን ሽምካ ክጽልምን ዘሎ ክበጽሓካን መን ይረኽቦ።ኢየሱስ ጎይታይን ኣምላኽን መድሓኒየይን እስከ ክበር።
ግን ሓወይ ንስኻ ከ ንመን ኢኻ ትምስክር፡ብዛዕባ መን ተውሪ፡ብዛዕባ ካልእ ተውሪ ተሊኻ፡ተሰሓሒትካ ኣለኻ።ኢየሱስ ዝብል ስም ብዘይ ተጫረቲ ክስበኽን ክዝመረሉን ዝግባእ ስም ኢዩ።እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ።ኢየሱስ ናይ ዘልኣለም ንጉስ ክብሪ ንስምካ ይኹን።
ኢየሱስ ምስ ማንም ሰብ ወይ ቅዱስ ወይ መልኣኽ ወይ ድማ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ሓይልን ኣካልን ከነዋዳድሮ ንኽእል ስም ኣይኮነን።ኩሎም ንዕኡ ከገልግሉን ከመስግኑን ዝተፈጥሩ ኢዮም።ንሱ ግን ልዕል ዝበለ ኣምላኽ ኢዩ ኢየሱስ(ዮሃ3፡31)እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ ንሱ ልዕሊ ኹሉ ኢዩ።ንሱ ምስክር ኣቦ ኣለዎ።(ዮሃ5፡32)ህይወት ኣብኡ ጥራሕ ኣላ።(1ይዮሃ5፡11)ነዚ ልዕልናኡን ዕቤቱን ፍልይነቱን ዝተረድአ ቅዱስ ጳውሎስ ንዕኡ ጥራሕ ንምፍላጥ ከም ዝመደበ ይገልጽ።
ከምዚ ይብል፡(1ይቆሮ2፡1-2)ኣህዋተየ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከለኹ፡ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ።ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን ይብል።ቅዱስ ጳውሎስ ን ኢየሱስ ጥራሕ ክፈልጥ መዲቡ እስኻ ከ ንመን ክትፈልጥ ኢኻ ትጓዓዝ ዘለኻ??ቅድመ ምስጓምካ ኣስተውዒልካ ተጓዓዝ  ከውሒ መሲሉካ ዓፍራ ከይትረግጽ።ቅድመ ኹሉ ን ኢየሱስ ፍለጦ።ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሰናይ ምርጫ እዚ ወሲዱ።
ካብ ምድሪ ዝኾነ ምድራዊ ኢዩ።ናይ ምድሪ ይዛረብ።እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግን ንሲ ልዕሊ ኹሉ ኢዩ።(ፍሊ2፡9-11)ንሱስ ፍሉይ ኢዩ፡እስትንፋስና ድማ ኢዩ።ብእኡ ንነብር ብእኡ ኩሉ ኮነ ካብቲ ዝኾነ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ ነገር የሎን።(ዮሃ1፡3)(ቆሎ1፡16)ኢየሱስ ፍሉይ ሰላም ዝህብ ስም።ኢየሱስ ፍሉይ ሞት ዝሰዓረ ጻድቅ ኣምላኽ።ኩሎም እቶም ዝተንስኡ ከምኡ እውን ተኣምር ዝገበሩ በቲ ናቱ ሓይሊ እንበር ብናቶም ዝኾነ ነገር ዋላ ሓደ የለን።
ንሱ ንብዙሓት ምትንስኦምን ምውዳቆምን ነበረ።ከምኡ እውን ኮነ ይኸውን እውን ኣሎ።ኢየሱስ ፍሉይ ንጉስ።
ንሱ ስለ ስሙ ብዙሓት ክጸልኡና ምዃኖም ተዛሪቡ።(ሉቃ21፡17)እዚ ንሱ ዝበሎ ቃል 2000 ዓመታት ኣሕሊፉ ይቅጽል ኣሎ።እቶም ናቱ ግን ንማንም ሰብ እኳ ኣይጸልኡን ነበሩ ከምኡ እውን እቶም ዘለዉ ብሓቂ ናቱ ዝኾኑ ንማንም ሰብ ኣይጸልኡን ንሶምስ ንሱ ኣብኦም ስለ ዝነብር ፍቅሪ ኢዮም።እሞ ጸላእትኻ ተፍቅርዶ ትጸልእ።(ያዕ3፡17)እቶም ዘይናቱ ግን ካብቲ መለልይኦም ከፍቅሩ ኣይኾነሎምን ኢዩ።ኣብ መልሓሶም ከኣ ብዘይካ ጽያፍ ምስጋንን ምርቃን የሎን ክብሪ ንስሙ ኢየሱስ ልዕል ዝበለ ካብ ኩሉ፡ነዚ ኣምላኽ እዝስ መን ይመስሎ መን ከ ኣሎ፡ኣበይ ከ ኣሎ ን ኢየሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ዝመስሎ።(መዝ18፡31) ይቅጽልል,,ናብ 2ይ ክፋል,,
                       ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

No comments: