Post più popolari

Tuesday 19 February 2013

2ይ ክፋል ዘይቅበር ሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስና ኢዩ!!።


2ይክፋል
ዘይቅበር ሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስና ኢዩ!!።
ብሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!።
ብእኡ ሎሚ ጽባሕ ንኹሉ ግዜ ኣይንሓፍርን።ንሱ ክቡር ኢዩ ኣሜን።ንሱ ጽድቅና ኢዩ።ንሱ ክብርና ኢዩ።ንሱ ህይወትና ኢዩ።(ፍሊ1፡20-21)ንሱ ሰላምና ኢዩ።ንሱ ዕጋበትና ኢዩ።በዚ ድኣ እንታይ ኮይና ንሓፍር።ንሱ ተኾይኑ ዝኹንን ንሱ ተኾይኑ ዘጽድቅ ከ እንታይ ኢዩ ዘስግእ ኢየሱስ ኢዩ እኮ ኣዛዚ።(ሮሜ8፡31-34)ንሱ ምሳና ተኾይኑ ደኣ መን ኢዩ ዝቃወመና።ኢየሱስ ነቶም ሓይሉን ስርሑን ግብሩን ምዝንትው ተወዲእዎም ኣብ ነበረያ ነበረን ኣብ ሃጠው ቀጠውን ተመሊሶም ዘለዉን ግዝይኦም፡ዘሕልፋን ኣብ ሕማቅ ወረን፡ዚነብሩ ዘለዉ ዓይኖም ይኽፈተሎም።
ግን ኣሻዕ ኢዮም ስርሑን ግብሩን ከሃልነቱን ወዲኦም ናብ ካልእ ሓሊፎም።እቲ ኣምላኽ ዘይልኣኾ ብሽም ቃል ኣምላኽ ኣማኻንዩ ካልእ ይዛረብ እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ ግን ንሱ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ዚዛረብ።(ዮሃ3፡34)
እዚ ስም እዚ እንበኣር ህጂ እውን ዘይንዛተየሉ ፍሉይ ስም ኢዩ።ከቶ ክንሓድጎ ዘይኮነልና ስም።ክትርስዖ ተበልካ ዚዝከር።ከይትጸልኦ ኩሉ ግዜ ዝፍቀር። ወይዚ ናይ ኢየሱስ ስም ነገር።ብዙሓት ነዚ ስም ብዝተፋላለየ ነገር ገይሮም ከህሲስዎን ካብ ልቢ ሰባት ከረስዕዎን ፈቲኖም ኢዮም።ብዙሕ ምስኡ ዝመሳሰል ካብዚ ስም ናቱ ከኣ እንዳ ቆንጠሩ ዓይዮም ኢዮም ተኾነ ዕየኦም ሓዊ በሊዕዎ ስም ኢየሱስ ግን ጋና ይምስገን ኣሎ።ግንከ ኣይኮነሎምን ኢየሱስ ዝብል ስም ዘይሰዓር ስም።
ጋና ክንዝምር ኢና ንስሙ ጋና ክንምስክር ኢና ንስሙ።ዋላ ናይ  ኣይሁድ ኣምሳል ዘለዎምን፡ናይ ዘበና ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ይኽሰሱን፡የጸልሙን ጋና ኣብ ኩሉ ስሙ ክንምክር ኢና።ጋና ብስሙ መከራ ክንጸግብ ኢና።ኢየሱስ ኣምላኽና ኢዩ ።እዚ ኢዩ እቲ ዘይቅበር ሓቂ።ኢየሱስ  ኢየሱስ ኢየ,,,,,,,ኢ,,,,,,,,በቃ ብዘይ ምቁራጽ ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ስሙ ክንጽውዕ ኢና ብዘይ ዕረፍቲ።ነቶም ስም የሱስ ዝቃወሙ ከም ኣይሁድ ክርስትያን ተባሂሎም ግን ኣይትቃወሙ የሱስ ጎይታ ኢዩ ንሱ ንብዙሓት ዝሰዓረ ኢዩ ምስኡ ኣየዋጸኩምን ንብሎም።
ዘገርመኒ ግን ስለምንታይ ኢዩ ገሊኦም ክርስትያናት ኢና እንዳበሉ ስሙ ምጽዋዕና ልቦም ዘንድዶም።ስለምንታይ ስሙ ክጽውዑ ዝኸብዶም።የዕጠይጥዩ።ስም የሱስ ምቁርሲ ክትጽውዖ ስኽፍክፍ ይብለካ።ስለ ዘይጠዓሙዎ ዶ ይኾኑ ኢዮም ኢየሱስ ምቁር።ዋላስ ውሽጦም ስለ ዝሓመመ። ልቦም ማህደር ርኹስ መንፈስ ስለ ዝኾነ ኢዩ።ምስ ውሽጦም ምስምማዕ ኣብዩ።ነታ ስሙ ኩሉ ሳዕ ክትጽዋዕ ዘይፈትዉዋ ገለ ነገር ዝቀየሩ ኮይኖም ይስምዖም ይፈርሑ ገለ ዘጉድሉ ዘለዉ ይመስሎም፡ኣነ ከምኡ ነይረ ንባዕለይ፡ኢየሱስ ንትብል ስም ትኸብደኒ ነይራ ሎሚ ግን ኢየሱስ ኢለ ክጽውዕ ልበይ ሓጎስ ይመልእ፡ኢየሱስ ንጉስ።በጃኻ ስሙ ካብ ምጽዋዕ ኣይተዕርፍ።

ንሓደ ሻዕስ ወረ ነታ የሱስ እትብል ቃል ዘጥፍእዋ፡ግዲ ኢዮም ዝመስሎም ኮይኑ ኢየሱስ ኢዩ ዝበሃል ይብሉኻ።ገሊኦም ከኣ ጠቅላላ ኢየሱስ ምባል ናይ ሓደሽቲ ሃይማኖት ኢዩ፡ እግዚኣብሄርን ደኣ በል ይብሉኻ።ሓደ ሰብ ዝፈልጠካ ቅድመኡ ረኺብካ ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ ክትብሎ ከለኻ።ዋእ ይጣራጠር ዋእ ኣንታ ቀይርካ ዲኻ መገዲ ይብል ማለት ኢዩ።ናብ ሓደ ቤት ኣቲኻ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ቤት እዚ ይኹን ክትብል ከለኻ ኣሜን፡ዝብል ዳርጋ የለን ዋእ እንታይ ኢየሱስ ኢየሱስ ዝብለና ከም ጴንጠ እዚ ዋእ ይብሉኻ፡ደሓንዶ ዊዒልኩም ክትብሎም ከለኻ ግን፡ሕጉስ ይብሉ።ሰላም ኢየሱስ ን ኣጋንንቲ ካብ ዘቃጽሎም ፍቱን ኣጽዋር ኢዩ።
ቅድመ ሓደ ሰሙን ሓደ ሰብ ይዲዊለለይ ፡"ስማዕ እንዶ እዚ ድያቆን ክስቶ ቀይሩ ዲዩ ሃይማኖት "ኣነ ኸኣ ስንብድ ኢለ እንታይ ኮይኑ እንታይ ዲዩ ገይሩ!!??።"ዋእ ከመይ ኣለኻ ተበልኩዎ በቃ ተቀይሩ፡ደሓን ዲኻ ተበልኩዎ ክብሪ ንጎይታ ኢሉኒ፡ቀጺሉ ኸኣ ጎይታ የሱስ ይባርኽካ ኢሉኒ፡እንታይ ኢዩ ኢየሱስ ኢየሱስ ዝብል"እምባሕ ካን እዛ ዓቅለይ ዓቅሊ እንጣጢዕ ተቀይራ።ዋእ መን ደኣ ይመስገን ክብለኩም ሰጣን ዋላ ብልያል፡ተጋግዩ ድሕሪ ሕጂ ምስ ደወልኩምሉ ሰጣን ይባርኽኩም በሎም ክብሎ ኢዩ፡ከይተረድኣኒ ብቁጠዐ፡ከይተረድኣንስ ስም ኢየሱስ ዝጸልእ መሓዛ ገይረ ጸኒሐ ።ሰብኣይ ኖ ኣነስ ኣይባህልናን ኢለ ኢየ።°ኣይትሓዘለይ ኮሪኻ ይመስለኒ፡ዓቢ ሰብ "ገሪሙኒ ኣነ ደኣሞ እሞ ጽድቀይ ጽዩቅ ጨርቂ ኣብ ቅድሚኡ መን ኮይነ ኢየ ኣብ ቅድመ የሱስ ዓቢ ዝተባሃልኩ።
ደሓር ቁጠዐ ሰብኣይ ጽድቂ ከምዘየምጽእ ምስ ተረዳኩ ደዊለ፡ከምኡ ኣይበሃልን ኢዩ።ባህልኹም ነዚ ዘይብል ተኾይኑ ቀይርዎ ሰጣናዊ ባህሊ ኢዩ።ን የሱስ ዝቃወምን ምስ የሱስ ዘይከይድን ባህሊ ኩሉ ኣብ ባሕሪ ክጥሕል ኣለዎ ኢለዮም።ኣዛራሪባና ኩሉ ነገርና ብስም ኢየሱስ ይኹን።ብዝኾነ መስኪናይ ሰብኣይ ሰንቢዶም።ሓደ ምዃኖም ዘንጊዖም ኢየሱስን እግዚኣብሄርን ሲ ኣይበሃልን።(ዮሃ10፡30)እግዚኣብሄር ኢዩ ዝበሃል ይብሉ ፡ስሙ ክልዓል ዘይፈትዉ ብዙሓት ኢዮም።እቲ ቀናእ ሰጣን ልቦም ስለ ዝወረሶ ኢዩ እቲ መልሲ።ስለምንታይ ሰጣን እዛ ስም እዚኣ ዘለዋ ትርጉም ይፈልጣ ኢዩ።ንሳ ንሞት ዝሰዓረት መድሃኒት ስለ ዝኾነት ክትጽዋዕ ኣይፈትዋን።ብዝገበረ ገይሩ ድማ ካብ የእምሮ ሰብ ክትርሳዕ ኢዩ ዝጽዕር።ነዞም ከይተፈለጦም መሳርሒ ሰጣን ዝኾኑ ግን ጸሎት ፡ብሓቂ ክንጽልየሎም ይግባእ።
ንሕና ግን ጋና ኢየሱስ ክንብል ኢና።ህይወት ክትረክብ ትደሊ ተኾንካ ኢየሱስ ጎይታዩ በል ንዓ ምሳና።ዓለም ዝበለት ትበል፡ምድሪ ትገምጠል ማዕበላት፡ይበርትዕ፡ህጂ እውን ኢየሱስ ንዕኡ ኢና ንሰብኽ።ስለምንታይ ንሱ ጥራሕ ኢዩ መድሓኒና።ንሱ ጥራሕ ኢዩ ዘድሓነና፡ንህጂ እውን ከድሕነና ኢዩ የድሕነና እውን ኣሎ።(1ይቆሮ1፡30-31)ብእኡ ኣብ መንጎ እቶም ዝጠፍኡን ዝድሕኑን መዓዛ ክርስቶስ ኢና።ነዚ መን ይረኽቦ ብ ስም ኢየሱስ ኢዩ ኮይኑልና።)2ይቆሮ2፡15)ብዘይ ብእኡ ብማንም ብዝኾነ ይኹን ፍጹም ምድሓን የሎን።
ብዘይካ ብስም ኢየሱስ ብስም ካልእ እንድሕነሉ ካልእ ስም በጥራሽ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ የሎን ቃል ኣምላኽ ኣንብብ።(ግብ4፡12)የሱስ ጥራሕ ኢዩ መድሓኒ፡ቅዱስ ጽሑፍ ከምኡ ይብል።ቅዱሳን ነዚ መስኪሮም።ንሱ ጥራሕ ኢዩ እቲ ኣፍ ደገ።(ዮሃ10፡9)ንሱ ጥራሕ ኢዩ ፡ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት።(ዮሃ14፡10)(ዮሃ6፡48)ብእኡ ዝኣምን ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ይውሕዝ።(ዮሃ7፡38)እቶም ብኻልእ ዝኣምኑ ግን ዋላ ሓንቲ የብሎምን።
እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ግን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶም።(1ይዮሃ5፡13)(ዮሃ6፡47)ኩሎም ጽሑፋት ብዛዕባኡ ጥራሕ ኢዮም ዝዛረቡ።(ዮሃ5፡39)ንሱ ዘይብሉ ህይወት የብሉን።ንሱ ዘለዎ ግን ህይወት ኣለዎ።(1ይዮሃ5፡12)ብዘይ ብእኡ ከድሕነና ዝኽእል ዓቅምን ብቅዓትን ክእለትን ጽድቅን ዘለዎ ፍጹም የለን።(ሮሜ3፡23) ክብሪ ንስሙ።
ኢየሱስ በል ንስኻን ስድራኻን ክትባረኽ ትደሊዶ።ዝደለኻዮ ኪኾነልካ። ነዚኣ ስለ ዘይበልካ ዝተረፈካ ምሕረትን ፍቅርን ኣምላኽ ግድን ክህሉ ኢዩ። ብዙሓት ስለ ተዛረቡዋ፡ኣይተስተናዕቃ፡ክብርቲ ስም ኢያ። ካብ ኣብ ጸርፍ ትውዕል ኢየሱስ መድሓኒ ኢዩ ኢልካ መስክር።እዚ ሕርኽርኽ ዝበለካ ተኾይኑ ግን ህይወትካ መርምር፡ስም ኢየሱስ ዝጸልእ፡ውሽጡ ብመናፍስቲ ዝተወረሰ ሰብ ጥራሕ ኢዩ።(1ይቆሮ12፡3)ኣንቢብ ከምዚ ይብል።ብሓቂ ውሽጡ ጥዑይ ዝኾነ ሰብ የሱስ ዝብል ስም ክሰምዕ ባህ ይብሎ ውሽጡ፡ንሱ ኣይኮነን እኮ ውሽጡ ኮላይ እንበር።
ስለዚ ሓደኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ ኢየሱስ ርጉም ኢዩ ኸም ዘይብል፡መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኮይኑ ኸኣ፡ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ ኺብል፡ንሓደ እኳ ኸም ዘይኮነሉ ኤፍልጠኩም ኣለኹ።እሞኸ ኢየሱስ ጎይታዩ ኢልካ መስኪርካ ዶ ትፈልጥ።ነዚ ህጂ እውን ስኽፍክፍ ዝብለካ ተሃልዩ ወይ ድማ ዘይወሓጠልካ ተሃልዩ፡ፈትሽ ህይወትካ፡ኢየሱስ ኣባኻ የለን።ኢየሱስ ይኽበር ኣሜን።ኢየሱስ ልዕል ይበል ኣሜን።ስም ኢየሱስ ዝጸልኡ ኩሎም ድማ ይውደቁ።ኢየሱስ ዝብል ስም ዘይንዋወለሉ ስም ኢዩ።ንሱ ንዓና መንነትና ኢዩ።በቃ ክነኣቱ ክንወጽእ ክንትስእ ክንድቅስ ኢየሱስ፡ንሱ ኢዩ መዝሙርና ብእኡ ኢና ንነብር።ይቅጽልል,,,,,,,,
ኢየሱስ ክርስቶስ ሎምን ትማልን  ሎምን ንዘለኣለም ንሱ ኢዩ።ኣሜን።
        ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

No comments: