1ይ
መልእኽቲ ልደት
ብስመ
ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን
እንሆ
ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።(ሉቃ2፡10)
ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ብስራት አበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። |
እንቋዕ
ናብ ብሩኽ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዓና።ልደት ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ክልኦት ልደት ዘይኮነስ
ፍሉይን ኣገዳስን ልደት ኢዩ ዝነበረ።በዚ ድማ ኢዩ፡ እቲ መልኣኽ ነቶም ኣብ በረኻ ማሎም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት “እንሆ ንኹሉ ህዝቢ
ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ ኣበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ ኢሉ ዝተዛረቦም።ልደት ናይ ማንም ሰብ ነቶም ስድርኡን ነሕዋቱን ነቡኡን ነደኡን
ኢዩ ዝንገሮም።ልደት ጎይታ ግን ንኹሉ ዝኸውን ስለ ዚነበረ፡ እቶም መልኣኽታት ነቶም ጓሶት መጺኦም ከንግሩ ኣድለየ።በዚ ድማ ካብ
ርሑቅ ዝመጹ ሰበጥበብን፡ካብ በረኻ ዝመጹ ጓሶትን፡ካብ ሰማይ ዝመጹ መልኣኽታትን ፡ምስኡ ዝጸንሑ፡ኣደኡን ዮሴፍን ብሓንሳእ ተሓጎሱ።ጎይታ
ነዞም ኩሎም ፍጡራን ብሓደ ክሕጎሱ ዝገበረሉ ተነይሩ ኩላትና ብልደት ጎይታና ተሓጊስና ንዕኡ ከነኽብር ኢዩ።ዝነበረ።
እዚ
ብስራት ናይዚ ሎሚ ንኹላትና ከም ኩሉ ግዜ ይበሃለና ኣሎ።ከመይ ከ ኩሉ ግዜ ዘይበሃለና።ሓጥያትና ዝድምስስ፡ሂወትና ዝሕድስ፡ናብ
ዝነበርናዮ ክብሪ ዝመልስ ነብይ፡ናብ ዝነበርናዮ ዉሉድነት ዝምልስ በጃና እንዲዩ ተወሊዱ። ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ስጋ ለቢሱ ተጋሂዱ፡
ግድን ኢዩ እንበር።ሎሚ ክርስቶስ ተዘይውለድ ከም ሶዶምን ጎሞራን ምኾና ነርና።ሎሚ ክርስቶስ ተዘይ ይዉለድ ሞት ክሳዕ ህጂ ኣብ
ትሕቲ ግዝኣቱ ይመልከና ምሃለወ ነይሩ።ክርስቶስ ተዘይ ይዉለድ ኣብ ትሕቲ መርገም ክሳዕ ህጂን ንዘንትእለትን ንነብር ምሃለና ግን
ንሱ መጺኡ።ብልደቱ ዳግማይ ካብኡ ክንዉለድ ፈቀደልና።ብልደቱ ናጽነት ኣወጀ።ሞተ ፍዘዘ፡ስልጣናት ሰንበዱ።(ማቴ2፡3)
ክርስቶስ
ተወሊዱ፡ሕሙማት ክፍውስ(ማቴ4፡24)ማቴ፡8፡16017)ማቴ15፡30)(ማቴ12፡15) ን ሞት ክድምስስ፡ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ዝነብሩ፡ድማ
ሓጎሶም ከዕቢ፡ብርሃኖም ከውጽእ(ኢሳ9፡2-3)ዘመነ ዕረፍቲ ምእንቲ ከምጽእ።)ግብ3።19)ደጌታት ጋሃን ክዓጹ፡ምሕረት ንነፍሲ ወከፍ
ነቶም ዝተቀበልናዮን ብስሙ ንዝኣመናን ዝኾና ድማ ምሕረት ክዕድል።ኣብ እንዳ ሃብታማት ዘይኮነስ ኣብ መብልዕ ማል፡ትሕትናኡ ብምርኣይ፡ትሕትና
እውን ክምህረና ተወለደ።ሎሚ ብርሃን ዓለም ተወሊዱ፡ሎሚ ምንጪ ሂወት ፡ሂወት ተወሊዱ።ብልደቱ ነገስታት ስልጣናት ሕልቅነት ረዓዱ።ልደቱ
ን ሃብታማትን ነገስታትን ፡ዘርዕድ ንድኻታን መሳኻንን ከኣ ዘሕጉስ ልደት ነበረ።(ማቴ2፡3)ብልደቱ ሲኦል ረዓደት፡(1ይቆሮ15፡55)ሕልቅነት
መናፍስቲ ተሳዕሩ(ግብ8፡6-7) ፡ፍጡራን ድማ ብልደቱ ተሓጎሱ፡ኣመስገኑ።(ማቴ2፡10-11)
እቶም
ኣብ ነገስታትን ጭዋታን ዓበይትን ሓጎስ ኣብ ኣፍ ደገኦም ከላ ኣይረኸቡዋን።ጓሳ ኣብ ኩለን ሕብረተ ሰባት ዝተናዕቀ ኢዩ።እዚ ናቱ
ብስራት ቤተ ነገስታት ከይሰምዕዎ ጓሶት ክንገርሉ ዝተደልየ ተነይሩ ድማ ክርስቶስ ሕብረቱ ምስቶም ብሕብረተ ሰባት ዝተናዕቁን ትሕተኛታት
ከም ዝኾነ ኢዩ።
ሎሚ
ከምቲ ሰበ ጥበብ ክብሩን ንግስነቱን ስልጣኑን ግሩም ሓይሉን ንምግላጽን ምምስካርን፡ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቅ ወርቅን ፡ዕጣንን፡ከርበን።
ገጸ በረኸት ዝሃቡዎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ዝጽበዮ፡ወርቅን ዕጣንን ከምኦም ዘይኮነስ።ሎሚ ካባይን ካባኻትኩምን ዝጽበዮ ገጸ በረኸት
ኣሎ ።ንሱ ኸኣ ኣነንን ንስኹም ምዕራብ ዲዩ ምብራቅ ከይከድና ፡ኣብ ዘለናዮ ኮይና፡ን ጎይታ ንገብረሉ ገጸ በረኸት ተልዩ፡ነቲ ስሌና
ክብል ኣብ መብልዒ ማል፡ መልክዕ ባርያ ብምሳድ(ፍሊ2፡7)ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ ኣምላኽ ።እታ ዝብህጋ ገጸ በረኸት ሂወትና ኢያ።ጎይታ ገንዘብካ ኣይኮነን ዘድልዩ ፡ጎይታ ተድልዮ ቅድም እስኻ ኢኻ እሞ፡
ሎሚ ቅድመ ገንዘብካ ንስኻ ምጻእ፡ሂወትካ ገጸ በረኸት ከተበርክተሉ ይብህግ ኣሎ፡ከምታ ኣብኣ ክዉለድ ዘፍቀደት መብል ማል ኣባኻ
ከም ብሓድሽ ኣብ ልብኻ ክዉለድ ፍቃድካ ግለጸሉ።እሞኸ ን ኣምላኽ ገጸበረኸት ክትህቦ ፍቃደኛ ዲኻ!!??።
ክንደይ
ግዜ ኢዩ ጎይታ ኣባና ክዉለድ ደልዩ። ልብና ኳሕኳሕ እንዳ ኣበለ፡
ብ ፍቅሪ እዛ ዓለም ተታሒዝና ፡ገጸ በረኸት ከሊእና ኣብ መዓልቲ ልደቱ ነግህዮ ዘለና።ምስናይዚ ግን እቶም ሰበ ጥበብ ወርቂ ዘምጽእሉ
ናይ ንግስነት ንጉስ ምኻኑ ንምምስካር፡ዕጣን ዘምጽኡሉ ድማ ካህን ምኻኑ ንምምስካር፡ከርበ ዘምጽኡሉ ድማ ብኽቡር ሞት ክመውት ምኻኑን፡ሞቱ
ክቡር ምዃኑን ፡ብኽቡር ኣማውታ፡ ክመውት ከም ዘለዎ ንምምስካር ኢዩ።ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment