Post più popolari

Friday 26 April 2013

2ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!።


2ይ ክፋል
ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር
ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!

ኣቱም ጠቢባን እስከ ዘረባይ ስምዑ ኣቱም ፍልጠት ዘለኩም ናባይ ኣቕልቡ።(ኢዮብ342)ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፡እቲ ንህዝበይ ዚመጾም ዘሎ መዓት እንታይ ከም ዝኾነ ከኣ ፍለጡ።ኣቲ ምድሪ፡ስምዒ፡ ንቃላተይ ስለ ዝኣበዩዎ።ንሕገይ ከኣ ስለዝጠሓሱዎ ነዞም ህዝቢ እዚኦም መዓት ከውርደሎም ኢየ።እዚ ኸኣ ብሰሪ ሓጠኣቶም ኢየ።(ኤር618-19) ዝበሎ ትንቢቱ ኣባና ኣይፍጸምን ኣሎ ኢዩ።ዝወርደና ዘሎ መዓት ናይ መዓት መዓት ኣይኮነን ኢዩ።
ኣቱም ኣረግዉቲ እዚ ስምዑ፡ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ኩላትኩምውን ኣእዛንኩም ጽን ይበል፡ብዘበንኩም ወይሲ ብዘበን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ኾይኑ ኢዩ።(ዮኤል12)ኣብ ዘበና ግን ሰብ ከም እንስሳ ይሽየጥ፡ቆርበቱ ድማ ከም ስጋ እንስሳ ይቅለጥ፡ሓዉ ንሓው ብገንዘብ ይሸጦ፡ጥልመት ንዓይ ይጥዓመኒ ገኒኑ።እንታይ ገዲሱኒ ነጊሱ፡ሰብ ከም ክንሲሳ ኮላሊቱ ተጠቢሑ ናብ ዕዳጋ ይወርድ ፡ረሳኡ ድማ ይጎሓፍ፡ቀባሪ እኳ የሎን።ክንደይ  ሰብ ኢዩ ኣብ ምድ-ረበዳ ዝጠፍእ ዘሎ ገለ ኣራዊት ዝበልዖ፡ገለ ድማ ኣብ ባሕሪ ዓሳ ዝበልዖ።ምስናይ እዚ ግን እዚ ወለዶ ኣምላኽ  እንዳ ረኣየ  ኣግሃዮ።እቶም ህዝቢ ግን ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመለሱን፡ንእግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለዩዎን(ኢሳ913) ዝበሎ ቃሉ ብጉሁድ ይፍጸም ኣሎ።ኩላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን ኢዮም።ኩሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ,,,,።እሞኸ ናብ ኣምላኽ እንዶ ንመለስ።ናብ እግዚኣብሄር እንዶ ኢድና ነልዕል።እታ መፍትሕ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኢያ ዘላ፡ምስ ተሓዚ መፍትሕ ተዘይ ተሰማሚዕና ድማ ዝኸፍተልና የሎን።
ስለዚ እግዚኣብሄር በጓብዞም ኣይክሕጎስን ኢዩ።ንዘኽታማትን መበለታቶምን ከኣ ኣይኪርህርሓሎምን ኢዩ።ምስናይ’ዚ እዚ ኹሉስ ቁጥዓኡ ኣይተመልሰን ኢዱ እውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።ዝተባህለ ትንቢት ኣብኦም ይፍጸም ኣሎ።(ኢሳ917) ህዝበይ ህጂ እውን ቅልስ ምስ ኣምላኽ ኣየገደፈን።መገዲ ምሕረት ኣበየ።ነታ ኣምላኽን ፍቃዱ እትመጽእ ሰላም ድማ ዓዲ ቀይሩ ክረኽባ ተመነየ ተኾነ።እታ ካብ ኣምላኽ ትርከብ ሰላም ህጂ እውን ኣይረኸባን።
ክንደይ ሰብ ድዩ ኣውሮጳ ኣትዩ ተሓኒቁ ሞይቱ ዘሎ። ክንደይ ሰብ ድዩ ኣውሮጳ ኣትዩ ፖላሶ ጸዲፉ ዘሎ።ክንደይ ሰብ ድዩ ኣውሮጳ ኣትዩ ገንዘብ ሒዙ ዝነበሮ ሰላም ኣጥፊኡ ቃል ኪዳኑ ኣፍርሲ ኣምላኽ ዘጉሂ ዘሎ።ክንደይ ሰብ ዲዩ ግዳይ ሓሺሽን ሕማቅ ልምዲታትን ኮይኑ ዘሎ።ኣየ ዝህይወትና ብዓይኒ ኣምላኽ ተንርእዮ።ምሕረት ኣይግባኣናን ምበልና ነርና።ከም ሎሚ ኢሉ ገንዘብ ኣይበዝሐን፡ከም ሎሚ ኢሉ ዝብላዕ ኣይበዝሐን ግንከ ከም ሎሚ ኢሉ ሰላም የብሎምን።ሰብኣይን ሰበይትን ብገንዘብ ኣብ ገዛ ይሰሓሓቡ።ኣብ ሓደ ዓራት ኮይኖም እቲ ብገንዘብ ክሓስብ ይሓድር ንሳ እውን ብገንዘብ ክትሓስብ ትሓድር እዚ ወለዶ ይጥእፍእ ኣሎ።ግን ንመለስ ናብ ኣምላኽ ኢድና ነልዕል
ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ኾረኹሉ እሞ፡ኩሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን በልኩ ዝበሎ ይፍጸም ኣሎ።(እብ310)ብሓቂ ርኽሰቱ ዘይተሓጸበስ ኣነ ንጹህ ኢየ ዝብል ወለዶ።ነቦኡ ዝረግም ነዲኡ ኸኣ ዘይምርቅ ወለዶ።እምበኣር ነዚ ወለዶ ሎሚ ኣምላኽ ኢዱ ናብ ኣምላኽ ከልዕል ይጽዋዕ ኣሎ።ምሕረት ኣምላኽ ነቶም ዝፈርህዎ ንዉሉድ ወለዶ ይነብር።(መዝ1122)
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ።ኣቱም ቤት ያዕቆብ፡ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኩላትኩም፡ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እንተጸናዕኩም፡ካብ ማሕጸን ጂሚርኩም ብኣይ እተጸርኩም ስምዑኒይብል ኣሎ ።እግዚኣብሄር ስምዑኒ ይብል ኣሎ።ንስምዓዮ ዋላ ብሸለልትነት ንጥፋእ።ይቅጽልል,,,,,,,,,,,::
             etiqalsgakone@gmail.com

No comments: