ኢየሱስ ይኹሕ ኲሓካ
ኣሎ በጃኻ ክፈቶ ??።
ኣሎ በጃኻ ክፈቶ ??።
ክቡር
ሓወይ ክንደይ መዓልቲ ኢኻ ኮን ን ኣምላኽ ልብኻ ዓጺካ እትነብር ዘለኻ !!!።ዘሕዝን ምርጫ ኢዩ።ናብ ገዛኻ ሓደ ፕረሲደንት ናይታ
ዘለኻያ ሃገር ኣብ ገዛኻ ከዕርፍ ምሳኻ ክድረር ተዝብለካስ እንታይ ኮን ምተሰመዓካ?።ርግጸኛ ኢየ፡ብሓጎስ ከም እትቅበሎን፡ንብዙሓት
የዕርኹትኻ እውን፡ ደዊልካ ዋው ፕረሲደንት እከለ እንድዩ ደኣ ከዕልለካ ክመጸካ ኢሉኒ።ኢልካ ገዛኻ ከም ተጸባብቅን ገዛኻ ከም እተጽርን፡ከም
እትነግሮምን።
እቶም
ምስኡ ዝመጹ ኣጋይሽ ክሕጎሱ ድማ ሓድሽ መንጻሕ ዓራትካ ከም እተንጽፈሉን፡ሳሎንካ እውን ጽሩይ ልብሲ ከም እትገብረሉን ።ጽሩይ ክዳን
ተኸዲንካ ከም እትጽበዮን።ዋእ እሞ ክወጽእ እንድየ፡ካልእ መዓልቲ ክቅበለካ ድማ ከም ዘይትብሎን።ፕሮግራምካ እኳ ደኣ ሰሪዝካ ንዕኡ
ከም እትህቦ ርግጸኛ ኢየ።
እሞኸ
ደኣ ነቲ ናይ ጎይቶታት ጎይታ(1ይጢሞ፡6፡16) (ራእ19፡16)እቲ ገሊጽካ ዘይውዳእ ክብሪ ዘለዎ።ኣብ
ገዛኻ ክድረር ክብለካ ከሎ ፡ልብኻ ብንስሓ ሓጺብካ፡ የእምሮኻ ብምልኡ ኣብ ቅድመኡ ብምንጻሕ፡ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ ኢልካ።ንውሽጥታትካ
ንኹልንትናኻ ኣዳሊኻ ሓድሽ ሰብ ኮንካ፡እንተተጸበኻዮ ፡ንዓ ኣብ ልበይ እቶ ኢልካ ተፍቀድካሉን፡ን ጸዋዒቱ ሕራይ ተበልካን እንታይ ኣለዎ ሓወይ።ግርምቢጥ ኢዩ፡ንስኻ ትረብሓሉ ክንሱስ ብሰናይካ ባህ ስለ ዝብሎ ኩሉ ግዜ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽበየካ ኣሎ ክትከፍቶ።(ሮሜ 10፡21)(ኢሳ65፡2)
ኣታ
ሓወይ ናቱ ልኡኻት ሰባት ዘይኮነስ መላእኽቲ ንፋሳት፡ኣገልገልቱ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ኢዩ።(ዕብ1፡7)።ናይ ልዑላን ልዑል ናይ ነገስታት
ንጉስ ዝኾነ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻ ክድረር ኢሉ እንዳ ተዛረበካ፡ምሳኻ ከዕልል ኢሉ እንዳ ጸወዓካ ከመይ ገይሩ ይኸውን እምቢ
ክትብል። በጃኻ ምሕረት ክትረክብ ሕራይ በሎ።ሕራይ ተልኩምን ተተኣዚዝኩምንሲ፡ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም፡(ኢሳ1፡19)ኣብየት
እቲ ኣዒንቱ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝኾነ፡የእጋሩ ድማ ከም ዜንጸባርቅ ኣስራዚ ሊባኖስ ዝኾነ፡ክቁጣዕ ከሎስ ኣብ ቅድመኡ መን ደው ክብል
ይኽእል።(ራእ19፡12) ኣብ ርእሱ እውን ዘውድታት ኣለዎ።ብጃካኡ ሓደ እኳ ክፈልጦ ዘይኻል፡ጽሑፍ ስም ኣለዎ።ሎሚ ከም ፍቃዲ ክትነብር፡ን
ዓለም ጸሊእካ ንእስነትካ ክትውፍየሉ።ኣብ ቅድመኡ ክትንሳሕ፡ምሳኻ ክድረር በዚ ቃሉ ገይሩ ካሕኳህ አብል ኣሎ ክፈቶ ግዳ በጃኻ።
ንሱ
ነቶም ንወንጌሉ ዘይተኣዘዝዎ ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈዲ ኢዩ።(2ይ ተሰ1፡8)እሞኸ ኣታ ሓወይ ንምንታይ ግዜ ትወስድ በጃኻ ሎሚ
ልብኻ ክፈተሉ፡ምሳኻ ክድረር ይደሊ ኣሎ።(ራእ3፡20)”እንሆ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳህ ኤብል ኣለኹ።ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ
እንተ ኸፈተለይ፡ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ክድረር ኢየ፡ንሱ’ውን ምሳይ”።ይብለና
ኣሎ።ሎምስ ክትቅበሎ ግዲ ትኸውን !!!።
ንሱ
ከምዚ ኢሉ፡-(ዮሀ15፡22)”ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም ፡ሓጢኣት ኣይምዂኖምን ነይሩ፡ህጂ ግን ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።”ይብል
ኩቡር ሓወይ ኣይፈለጥናን ከይንብል መጺኡ ባዕሉ ነጊሩና ኢዩ።በጃኻ ጎይታ እንሆ ኣብቲ ኣፍ ደገ ልብኻ ክፈቶ።ንሱ ካባኻ ዝደልዮ
ብኡኡ ኣሚንካ ምንሳሕ እንብራ ካሊእ ነገር የለን።(ሚልክያስ6፡8)”ኣታ ሰብ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፡እግዚኣብሄርሲ ቅንዕና ኽትገብር፡ምሕረት
ከኣ ክትፈቱ፡ምስ ኣምላኽካ’ውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኮይኑስ ፡ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኣሎ።”በጃኻ ንዓ ጠዓሞ መኣዲ ጎይታ።
(ራእ13፡9)”ሰብ
እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ ይስማዕ”(ማር4፡23)ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”(ማቴ13፡9)እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ”(ማቴ11፡15)(ማር7።16)
እግዚኣብሄር ክንሰምዕ እዝኒና ከፊቱ፡ዘስተውዕል የእምሮን ልብን ይሃበና።
እግዚኣብሄር ይደግፍ
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment