ኣላትና
ኣላትና ጽብቅቲ ከተማ
ትዳለወልና ኣላ ኣብ ሰማይ ተሰሊማ
ሓዳስ ከተማ የሩሳለም ሽማ
ሓዘን
ጋሂ ወጽዓ ዘይብላ
ብዘይካ
ዕልልላ እህህታ ዘይብላ
ንብዓት
ካብ የዒንትና ዝድረዘላ
ምስ
ሕያዋይ ኢየሱስ እንጸናንዓላ
ካብ
ኩሉ ጸቅጢ ወጺእና ርእስና ነቅንዓላ
ከተማ
እቲ ገንሸል ትመጽእ ኢያ ዘላ
ንልብና
ከተዕርፎ ከነቃልሕ ዕልላ
ኣላትና
ዋላ ኣብዚ ምድሪ እንተ ጠዓመና
ዓለምን ህዝባን እንተተላዕሉና
ሃገር ኣላትና ሕዛእቲ በይንና
ብሓጎስ ነነብረላ ናይ ኢየሱስ ዝኾና
ገጽ ንገጽ ንርእየላ ምስ ልዑል ጎይታና
ካብ
ሰማይ ክትወርድ ኢያ መርዓት እቲ ገንሸል
ምድማቃ
ክቡር እምኒ ኢያስጲስ ትመስል
ብኽያትና
ከብቅዕ ኢዩ ክንብል ኢና እልል
ኣብቲ
ብወርቂ ዝተለበጠ ከታማ ‘ትልዑል
ክገሃደልና
ኢዩ ሽዑ ክብሪ ናይቲ ልዑል
ባዕሉ እቲ ልዑል ክኸውን ኢዩ መቅደስና
ኩሉ ክንርስዖ ኢና ናይ ምድሪ ነገርና
ብዘይ ዕንቅፋት ኣብኡ ከነምልኾ ኢና
ስሙ ክጽሓፍ እዩ ናይቲ ገንሸል
ኣብ ግንባርና
ናይቲ ገንሸል ዝፋን ክነብርዩ ምሳና
ትመጽእ
ኢያ ዘላ ትጽቢትና ኮንቱ ኣይኮነን
እዛ
ዓለም እዚኣ ክትሓልፍ ኢያ ግድን
ግርማታትን
ክብርን ኩሉ ክሓልፍ ኢዩ ግድን
እቲ
ዘጸይፍ ዝገበረ ግን ኣብዛ ትመጽእ ክፍሊ የብሉን
ጥራሕ
ንጠንቀቅ ንዓኣ ከይንስእን
ንኹሉ
ንሕደጎ ሓሳብና ናታ ይኹን
ኣላትና ከተማ ድሕሪ እዛ መረት
ካብ የዒንትና ክደርዞዩ ሽዑ ንብዘሎ ንብዓት
ኣብኣ ሓዘን የሎን ከምኡ እውን ሞት
ንብዘሎ ከሕድሶ ኢዩ ትኸኣሊ ኣብቲ ሰዓት
ሓጎስና ዝወስዶ የለን ምሳናዩ ንዘንትለት
ሃሌ ሉያ ክንብል ኢና ክንህቦ ኢና ዒበት
ነባሪት ከተማ ዘይብላ ፍጹም ሕልፈት
ብርማኡ ዝተመልአት ብጽድቂ ዝወቀበት
ንጽበ ኢና ዘለና ክትመጸና ነቋምት
ቀሺ/ሙሴ-ሽሻይ።
No comments:
Post a Comment