ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??።
ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም።
v
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ን ቤተ ክርስቲያን ዘድሊያ ውሽጥኻ ባዕኺኹ ።ካብቲ ጉንዲ ወይኒ ተጸንጺልካ
ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲንካ ሕቆኻ ክሳዕ ከይትስበር ሰብ ዝፈርሓልካ ድንን እንዳበልካ በቲ ድማ ኣብ ምጽላም ሰብ እንዳ ወዓልካ ናይ ሓሶት
ህይወት ምንባር።በቲ ከኣ ሰብ ከተታልል ኣነ ኦርቶዶክስ ኢየ ኢልካ ምሽቃጥ ዘይኮነስ።
v
ውሽጥኻ ፈቲሽካ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምብካይ ፡ብምሕረት ኣምላኽ ከኣ ምሕጓስ ።ጻዕዳ መንፈሳዊ ህይወት
ሒዝካ፡ብንስሓ ሰውነትካ ሓጺብካ ፡ኣነኸ መን ኢየ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ የድሊ።
·
ብሓቂ ዶ ኦርቶዶክስ ኢየ??፡ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነብረኦን ዝኽተልኦን ህይወት
ዲዩ ዘለኒ??።ኢልካ ነፍስኻ ብምሕታት።
·
ጻውዒተይ ኣብዛ ምድሪ እንታይ ኢዩ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ?።
·
ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዲየ ዘለኹ ዋላ ኣብ ሓሳብ ገዛእ ርእሰይ??።
·
ኣብ ሓሳብ ወንጌል ዲየ ዘለኹ ዋላስ ኣብ ሓሳብ ድርሰታት ሰባት??።
v
ዝብሎን ዝኣምኖን ዝኽተሎን ዘለኹ ብዓይኒ እቲ መሰረት እምነተይ ዝኾነ 81 ኣኃዱ መጽሓፍ ቅዱሥ
ከመይ ኢዩ። ን መን የምልኽ? ን መን የገልግል??።ዝገብሮ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ዲየ ዝገብሮ።(1ይቆሮ10፡30)
v
ናበይ ኢየ ዝኸይድ ዘለኹ ብሓቂ ዲዩ ተረዲኡኒ ዝነብር ዘለኹ ዋላስ ሰባት ጥራሕ ብዝበሉኒ
ኢየ??።
v
ንዝጸገመኒ ንዝበርትዓኒ ሕቶ ቅድመ ናብቲ መምህር ኢዩ ኢለ ዝኣምነሉ ምኻደይ ብጸሎት ናብ
ኣምላኽ ዲየ ዘቅርቦ ዋላስ ቅድሚ ኣምላኽ ንሰባት ብምስራዕ ኢየ።ናብ እቲ ይፈልጥ ኢየ ዝብሎ ዝጎዪ?።
v
ክልተ መምህራን ኣብ ብሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ከምዚ ኢዩ ከምዚ እባ ትርጉም እንዳበሉ
ዝጋጮ ተሚሂሮምኒ።በይነይ ዲየ ዝጭነቅ??። ወይሲ ብስምዒት ኢየ፡ ወገን እቲ ሓደ ሰብ ብምዃን ዝፈርድን ዝቃወምን።
v
ዶዋላስ ነቲ ቅዱስ ጳውውሎስ ኣብ (1ይቆሮ8፡2)ሓደኳ ገለ ኸም ዝፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ነዚ
ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን ኢዩ”ዝበሎ ብምኽታም ናብቲ ኢፈልጥ ዝብሎ ኣምላኽ ኢየ።ጎይታ ኣብርሃለይ?መሊሰለይ ኢለ
ን ኣምላኽ ኢየ ዝሓትት??።
v
ብዛዕባ መገደይ ብዛዕባ እቲ
ሰባት ዝመሃሩኒ ንዝፀገመን ንዝኸብደኒን ጥቅሲ ናብ ኣምላኽ ዲየ ዘቅርቦ።ዶ ዋላስ ኣቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ንዝበለና ቃሉ ኣኽቢረ ዲየ ናብ
ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቀርብ ዋላስናብ ሰባት?።
v
መምህራን ኢና ዝብሉ ዝነገሩኒኸ ብ ዓይኒ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢዩ?።ምናልባሽ ካልእ ወንጌል ይመሃር
ከይህሉ??።ምናልባሽ ካብ መገዲ ሃዋርያት ዘንቢለ ኣብ ተወገዘ ወንጌል ከይህሉ።(ገላትያ1፡9)
v
ዝስበኸኒ ዘሎ ወንጌል እቲ ጥንታዊ ሃዋርያት ዝሰበኹዎ ሃዋርያት ዝበሊዎ ዲዩስ ዋላ ካሊእ ኢዩ??።(ገላ1፡8)
v
ቃል ኣምላኽ ንዝኾነ ይኹን ትምህርቲ ክርስቶስ ከይሓዘ ናባኻትኩም እንተ መጸ፡ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበሊዎ።ሰላም
እውን ኣይትበሊዎ።ከመይ እቲ ሰላም ዝብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሓቢሩዎ ኢዩ።(2ይዮሓንስ1፡10-11) ይብለኒ ኣሎ።
v
ስለዚ ነፍሰይ ምስዚ ቃል
እዚ ከነጻጽራ ከለኹ ከመይ ኢያ??።ሰባኺ ዲዩ??እሞኸ ክኸይድ ከለኹ ክሰብኽ ትምህርቲ ክርስቶስ ሒዘ ዲየ ዝኸዶም ዘለኹ ዋላስ ካሊእ
ትምህርቲ።ምናልባሽ ኣብ ሓቂ ኣለኹ እንዳበልኩ ኣብ ሓሶት ከይህሉ??።
v
ሰባት ሒዘ ከይጠፍእ ብደሞምም ከይሕተት፡ክንዲ በረኸትሲ መርገም ከየምጽእ ክንዶ ህይወት
ድማ ሞት ከየምጽእ፡ዋላ እቶም ዝኸዶም ተተቀበሊኑ ኣምላኽ ግን ይርኤኒ ኣሎ ስለዝስ እዚ ከመይ ኢዩ?።
v
ቅድም ምስባኸይ እንታኣይ ክብል ኣለኒ ክምርምር ኣሎኒ።እቲ ኣባይ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን(ሉቃ፡11፡35)
v
እንድሕሪ ተራ ምእመን ወይ ድማ ተመሃሪ ተኾይነኸ እቶም ሰበኽቲ ኢና ኢሎም ዝመጹኒ ትምህርቲ መን
ሒዞም ኢዮም ዝመጹኒ ዘለዉ??።
v
ብዛዕባ መን ኢዮም ዝሰብኹለይ ዘለዉ??።
v
ትምህርቲ ክርስቶስ ከይሓዙ ትምህርቲ ካሊእ ሒዞም ንዝመጹ ይቅበል ከይህሉ ኣብ ቁጥዐ ኣምላኽ ከይወድቅ??።
v
ብዛዕባ ክርስቶስ ክንዲ ዚዛረቡ ብዛዕባ ካሊእ ንዚዛረቡ ተኾይነ ዝቅበል ዘለኹ ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ
ከይከፍእ ንብድህሪ ህጂ ክጥንቀቅ ኣሎኒ።ኣንኳንዶ ክቅበሎምሲ ሰላም ክብሎም ኣይግብኣንን።ክቅበሎም ኣይግብኣንን እሞ ኣነ ከመይ ኢየ
ኢልካ ነፍስኻ ምፍታሽ።
v
ብሓቂ ዶ ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣለኹ ኢየ??።
v
ስለምንታይ ወንጌል እቲ ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝዝንብል ኣብኡ እውን ዘይጸንዕ ኣምላኽ ኣብኡ የሎን፡ስለዝብለኒ
ዘሎ።
·
ኣምላኽ ኣባይ ኮነ ኣብ ኣገልግሎተይ ኣብ ሓዳረይ ኣብ ህይወተይ ድማ ብዓቢኡ ዘየለ ከይኸውን።(2ዮሓንስ1፡9)ጽባሕ
ዘለኣለማዊ ሞት ከይዓጽድ ከመይ ኢየ?። ን ቃል ኣምላኽ ንርዲኢተይ ክድግፈሉ ይጠውዮ ዲየ ዋላስ ብፍርሓት ኢየ ዝቅበሎ።
v
ዝኾነ ይኹን ቃል ኣምላኽ ክነግረኒ ከሎ፡ብ መጠን እቲ ሰብ ዲየ ዝርእዮ ብ መጠን እቲ ቃል ኢየ
ዝርእዮ።
v
ሃዋርያት ንሕና ግን ነቲ ተሰቅለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና እንዳበሉ ሓሊፎም ኣነ ድማ ወዶም ኢየ።ግን
ን መን ኢየ ዝሰብኽ??።(1ይቆሮ1፡23) ቅዱስ ጳውሎስ ኣነ ኮነ ካልኦት ከምዚ ገርና ንሰብኽ ኣሎና ።ንስኻትኩም ከኣ ከምኡ ኣመንኩሙዎ
ኢሉ።
v
እሞኸ ከምቲ ንሳቶም ሃዋርያት ዝሰበኹዎ ዲየ ዝሰብኽ ዘለኹ ዋላ ኣርእስተይ መን ኢዩ። ንሶም
ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኢዮም ሰቢኾም ኣነኸ?።(1ይቆሮ15፡11)
ብዉሑዱ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ነዘን ሕቶታት እዚአን ብምሚላስ ጉዕዞና ክንቅጽል ኣሎና።
እግዚኣብሄር ኣብዚሑ ይባርኽኹም።
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment