Posts

Showing posts from November, 2025

1ይ ክፋል ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ዘይግባእ ዚምህሩ ምዕባስ ኣፎም ግቡእዩ።(ቲቶ 1 - 11 )

Image
1ይ ክፋል   ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ዘይግባእ ዚምህሩ ምዕባስ ኣፎም ግቡእዩ።(ቲቶ 1 - 11 ) "ሓጥያት ግበሩ ግን መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም።"ኢልካ እዉን ዘረባ ኣሎ። ኣብዚ ዘመን ብዙሓት መስሓትን መጋገይትን ክህልዉ ከለዉ ግን ነዚ ንምንታይ ክምልሰሉ ተገዲደ፣ብረቂቅ ስሕተት ብስም ኢየሱስ እናሰበኸስ ሰባት ናብ ኢየሱስ ከይኣትዉ ይሓባብልን ይዓግቶምን ስለዘሎዩ። ዋላ ኣገልጋሊ ኦርቶዶክስ ኣይኹን ግን ነቲ ትምህርቱ ብዛዕባ ክርስቲና ይዛረብ ስለዘሎ ንሰባት መሊሹ ናብ ጥፍኣት ዝወስድ ስለዝኾነ ከስምዓሉ ውሽጠይ ይዛረብ ኣሎ።ንሱ ዝብሎ ዘሎ፣ብክርስቶስ ተድኣ ኣሚንኩም፣ዋላ ዘምዉ ስረቁ ቅተሉ ሓስዉ ባዕልጉ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ይከኣልዩ፣ምኽንያቱ ሓንሳእ ድሒንኩም ስለዝኾንኩም፣ብምባል ብቅድስና ክነብሩ ንዝሰብኩ ዋላ ደቂ ማሕበሩ ጰንጠ እዉን ይቃወምን የነኣእስን ። ክርስቲና ብእምነትን ብግብርን ኢሉ ይኣምን።ሰባት ይኣምኑ ነቲ ዝኣምንዎ ድማ ይገብሩዎ ግን ተዘይ ይገብሩ ኮይኖም ወይ ድማ በቲ ዝገበሩዎ ገይጋ ዘይጠዓሱን ዘይንስሑን ተኾይኖም ኣይኣመንትን ማለትዩ።እምነት ቃል ኣምላኽ እዉን ከምዚ ይብል ኢዩ።ያዕቆብ 2 - 19 -26)ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።20 ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ...