Post più popolari

Thursday, 16 May 2013

ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ እዩ፧ ሉቃስ ወንጌል 18፡8 እምነት ክበሃል ከሎ ንክልተ ነገር የመልኽት ፦




ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ እዩ፧ ሉቃስ ወንጌል 188

እምነት ክበሃል ከሎ ንክልተ ነገር የመልኽት

ቀሺ ተስፋለም በራኺ
1
.   ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ ከኣ ብዛዕባ ሰብ፦ ፍልጠት ምርካብ ወይ ከኣ ሓሳብ ምግባር እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ መሲህ ከም ዝኾነ ዝኣመኑ፡ንረክብ ኣብ ህይወት እዚኣቶም ግና ለውጢ ኣይረኤን (ዮሃ 223-25) ኣጋንንትውን እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም (ያቆብ 219)።ግናኸ እምነት ግብሪ እንተ ዘይብላ ምውቲ እያ (ያቆብ 217,26)

2. ኣብ ኣምላኽ ወይ ከኣ ኣብ ሰብ ፍጹም ተስፋ ምግባር፦ ግብሪ ዘለዋ እምነት።ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ኪበሃል ከሎ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ እምነት ማለት እዩ። ሽሕ እኻ እቲ ነገር ዘይከኣልን ዘይኸውንን እንተ መሰለ እቲ ኣማኒ ይእዘዝ፡ ከይተጠራጠረ ከኣ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ፡ ኣምላኽ ቃሉ ክሳዕ ዚፍጽም ብተስፋ ይነብር። (ሮሜ416-22 እብራውያን 11 ብምሉኡ) ኣብ ዘበን ሓድሽ ኪድን ከኣ ሰባት ክርስቶስ ኢየሱስ ብምኽንያት ሓጢኣቶም ከም ዝሞተን ከም ዝተንሰኤን ኣሚኖም ተጠመቑ በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኪነብሩ ጀመሩ (ግሃ 222-47 ግሃ 1629-34)
ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቅ (ሮሜ 43-5 ገላ 216)
ህይወት ዘልኣልም ይረክብ (ዮሃ 316,36)
መንፈስ ቅዱስ ይቅበል (ግሃ 238 ግሃ 192 ኤፈ 113)
ሰብ ወንጌል ሰሚዑ ይኣምን፡ ብእምነት ከኣ እናዓበየ ከኣ ይኸይድ (ማር 924 ሮሜ 419-25)
ዓባይ እምነት ጉድለት ዘይብላ እምነትውን ኣላ ማቴ 810 ማቴ 1431 ማቴ 1720)
እምነት ብመከራ ትፍተን (1ጴጥ 16-7 ያቆብ 112)
እምነት ውህበት ኣምላኽ እዩ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ትርከብ (ገላ 523 ኤፈ 28 2ተሰ 213)
ሰብ ብእምነት ይጸድቅ ሮሜ 328 ገላ 216
እንተኮነ ግና ብእምነት ምስ ክርስቶስ ዘሕብር ስለ ዝኾነ ዕዮ ኣምላኽ ኪዓዩ ይጅምር (ኤፈ 28-10) ሰብ ብግብሩ እዩ ሓቀኛ ኣማኒ ምኻኑ ዚፍለጥ (ያቆ 218-26)
ብዛዕባ ትርጉም እምነት ከም መእተዊ እዚ ካብ በልና ሎሚ ምልስ ኢልና ንርእስና ክንሓታ ይግበኣና ከምዚ ኢልና ኣብ መንግስተ ሰማይ ዘእትው እምነትዶ ይህልወኒ፧ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያት ከምዚ ኢሉውም ኔሩ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እካ የልቦን፡ ከመይ ነቲ ሓደ ኺጸልእ ነቲ ሓደ ኬኽብር፡ ነቲ ሓደ ኬሕስር እዩ። እምበኣር ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትክእሉን ኢኹምማቴ 624 ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብወገኑ ነዚ ማዕረ ኣምላኽ ኮይኑ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣሸጊርዎ ዘሎ ፍቕሪ ገንዘብ ከምዚይ ኢሉ ይገልጾይኣኽለኒ ምባል ዝሰፈኖ ሃይማኖት ዓቢይ ረብሓ እዩ። ከመይ ናብ ዓለም ዘምጻእናዮ ሓንቲ እካ የብልናን፡ከምኡውን ካብ ዓለም ክንወስዶ እንኽእል ሓንቲ እኻ የብልናን ቀለብናን ክዳንን እንተ ረኸብና ይኣኽለና እዩ። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን ንሰብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥም ኣብ ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ኽፍኣት እዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ ኺብሉ ካብ እምነት ዘምበሉ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” 1ጢሞቴዎስ 66-10
ቃል እግዚኣብሄር ክንድዚ ካብ በለና ሎሚ ምልስ ኢልና ብቓል እግዚኣብሄር መሰረ ጌርና ንርእስና ክንምርምር ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ክንፈልጥ ካብቲ ተዳልዩልና ዘሎ መንግስተ ሰማያት ዘትርፈና ነገር ፈሊና ክንርድኦ ይግበኣና። በቲ ቃል እግዚኣብሄር ዝገልጾ መሰረት እዚ ዘሎናዮ ዘመን ናይ መወዳእታ ይመስል፡ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዝራኣዩ ዝተባህሉ ምልኽታት ይቀላቀሉ ብምህላዎም። “ “ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፋእ ጊዜ ከም ዚመጽእ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት
1. ፈተውቲ ርእሶም
2. ፈተውቲ ገንዘብ
3. ተጃሃርቲ
4. ዕቡያት
5. ተጻረፍቲ
6. ንወለዶም ዘይእዘዙ
7. ዘየመስግኑ (ዘየማስዉ)
8. ሃይማኖት ዘይብሎም
9. ንስድራኦም ዘየፍቅሩ
10. ተቐየምቲ
11. ሓመይቲ
12. ገዛእ ርእሶም ገቲኦም ዘይክእሉ
13. ጨኻናት
14. ሰናይ ዘፈትዉ
15. ከዳዓት
16. ህውኻት
17. ተፈኽነንቲ
18. ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ኣዕዚዞም ዚፈትዉ
19. መልኽዕ ኣምልኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ክኾኑ እዮም።
2.   ካብዚኣቶም ርሓቕ. . . . ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ።” 2ጢሞ 3 1-5,12

ካብዚ ዝረኣናዮ ካብ 1-19 ነጥብታት ጌር ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣለና ማለት ከኣ ክርስቶስ ኢየሱስ ክምለስ እዩ። ንነብሲ ወከፍና ድማ ከኸም ዓስቢ ተግባርናን እምነትናን ክህበና እዩ።እስከ ሎሚ ኣነ ኢልና ንርእስና ኣነ ሎሚ ፈታዊ ነብሰይ ድዩ፧ ፈታዊ ገንዘብ ዲዩ፧ ኣነ ተጃሃራይ ዕቡይ ተጻራፋይ፡ንሰባት ዘቃልል፡ ንወለደይ ኣብ ክንዲ ዝእዘዞም ገንዘብ ስለዝሓዝኩ ዝእዝዞም ዲየ፧ በቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ጥዕና ፡ገንዘብ፡ሓዳር፡ ትምህርቲ ወዘተ ንኣምላኽ የመስግንዲየ፧ ሃይማኖት ዘይብለይ ኣይ ጸውም፡ ኣይጽልይ ፡ኣየንብብ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣይከይድ ንግሆ ንግሆ ገንዘብ ምእካብ ጥራይ ዲየ ዘለኹ፧ ፍቅሪ ስድራን ኬበሬቶኦምን ዘይብለይ ዲየ፧ ንዝኾነ ነገር ተቐያማይ ዲዩ፧ ንሰብ የልዕልዶ ይሓምዶ፡ንሰብ ካብ ዘጻልእ ነገራት ንርእሰይ ገቲኤዶ ይክእል እየ፧ ብኣንነት ትዕቢት፡ ዝተዋሓጥኹ ዲየ፧ ንኣምላኽዶ የቐድም ወይስ ንርእሰይ፧ ኣብ ዓመት በዓልን፡ኣውድኣመት ጥራይ ንሰብ ገበሮ ኢለ ድየ ኣምላኽ ኣምላኽ ዝብል ወይስ ነቲ ብህይወት ዘንብረኒ፡ ኣፊሩ ብድሓን ዝመልሰኒ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራይ ዓወት ዝህበኒ ይዝኽሮን የመስግንን ዲዩ፧ እዚ ሎሚ ብግብኡ ክንምልሶም ዝግበኣና እዩ። ምክንያቱ እቲ ዝመጽእ ምምጽኡ ኣይተርፎን እዩ ክመጽእ እዩ፡ ተዳሊኻዶ ናብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ እቶም ቅዱሳንን ኣብ ሰማይ ክትዝምር፧ምስኦም ንሓዋሩ ኣብኡ ክትነብር፧
ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ።ሓደ እኻ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይ ኩሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ስጋን ትምኒት ዓይንን ብሃብትካ ዕቡይ ምኻንን ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን።ዓለምን እቲ ኹሉ ፍትወታን ሓላፋይ እዩ፡ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር። (1ዮሃ 215-17)
. . . . . . ይቕጽል

No comments: