2ይ ክፋል
ወዲ ሰብ ምስ መጸ እንበዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ
ኢዩ።(ሉቃስ18፡8)
ብቀሺ ተስፋለም በራኺ
ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ እዩ፧ ሉቃስ ወንጌል 18፡8
ናይ ልብና ሃረርታ ሎሚ ኮን ኣበይ ይኸውን፧ ቃል እግዚኣብሄር “ ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ። ካብኣ ድማ ንመድሓኒናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣሎና።ፊልጵስዩስ 3፡20።
እወ ሓቅዩ ግንከ ሃረርታ ልብና ኣበይ ኣሎ ሎሚ፧
1. ኣብዛ ሓላፊ ምድራዊዶ ወይስ
2. ኣብ ሰማያዊ ሃብቲ ይኸውን፧
ምክንያቱ ልብና ዝያዳ ካልእ ክንሕልዎ ከም ዘሎና ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለና፡“ ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ” ምሳ 4፡23
ኣብ ምድሪ ምዝገብካ ምግባር
1. ኣብዛ ሓላፊ ምድራዊዶ ወይስ
2. ኣብ ሰማያዊ ሃብቲ ይኸውን፧
ምክንያቱ ልብና ዝያዳ ካልእ ክንሕልዎ ከም ዘሎና ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለና፡“ ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ” ምሳ 4፡23
ኣብ ምድሪ ምዝገብካ ምግባር
ስለዚ ልብና ሎሚ ሃረርትኡ ትምኒቱ ጸሎቱ እንታይ ኮን ይከውን? ናይ ሓላፊ በራሲ ዶ ወይ ናይ ዘልኣለማዊ ዘይበርስን፧ ኣብዚ ሓላፊ እንተኾይኑ ኣዚዩ ዘይጠቕምና እዩ ምኽንያቱ “ ንሰብ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ እንታይ ይጠቕሞ። ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሃበ።” ማር 8፡36-37 ተባሂሉልና እዩ እሞ። ስለዚ መዝገብ ልብና ኣብ ጽኑዕዶ ኣብ ፈኹስ ዘይረዚን በናናይ ኣብ ዝኮነ ነገር ኣሎ ሎሚ፡ “ መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይብልዖ፡ነቀዝ፡ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ኹዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር ፡ብልዒ ኣብ ዚበልዖ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ ፡ሰረቕቲ ኹዒቶም ኣብ ዚሰርቕዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኹም መዝገብ ኣይትግበሩ።”ማቴ 6፡19-21 እዚ ቓል ጎይታዩ። ንጉስ ሰሎሙን ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ካብቲ ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ጠብብን ሃብትን ክብረትን ዝረኣየ ከምዚ ኢሉ ይምዕድ፦ “ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጋሴኻ ኣንብሮ።” ምሳ 27፡23-24 ኢሉ ሃብቲ ይኩን ንግስነት ዘይጠቅም ነባሪ ከምዘይኾነ ይሕብረና።
“ ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ኹሉ ጻዕሩ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፧” መክብብ 1፡3። ኢሉ ወሲኹ ንጉስ ሰሎሞን“ ሰብ ዚጽዕር ዚበልዖ ምእንቲ ኺረክብ እዩ፡ግናኸ ይኣኽለኒ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ።ለባም ሓለፋ ዓሻ እንታይ ኣለዎ፧ ሕይወቱ መሪሑ ዚኽእል ድኻኸ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ኩሉ ኸንቱ እዩ ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ እዩ፡ ካብ ብትምኒት ሃረር ምባል ድማ በቲ ዘሎካ ዓጊብካ ምንባር ይበልጽ። እቲ ዘሎ ቐደም ዝተወሰነ እዩ፡ ሰብውን ምስቲ ኻብኡ ዚብርትዕ ኪማጎት ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ሙግት እንተ ኣብዛሕካ ኸንቱ እዩ ረብሓ ኸኣ የብሉን። ኣብዚ ሓጺር ከንቱ ከም ጽላሎት ዚሓልፍ ሕይወት ንወዲ ሰብ እቲ ዝሓሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ምስ ሞተኸ ኣብዚ ዓለምዚ እንታይ ከም ዚኸውን ከመይ ገይሩ ኺፈልጥ ይኽእል፧ መክብብ 6፡7-12 ይብል ንጉስ ሰሎሙን ከምዚ ኢሉ ስቅ ኣይበለን ቀጺሉ ድማ፥-
“ ገንዘብ ዚፈቱ ገንዘብ ኣይጸግብን።
ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ሃብቲ ኣይጸግብ እዩ። እዚውን ከንቱ እዩ። ጥሪት እንተ በዝሐ በላዕቱ ይበዝሑ፡ ዘጥረዮ ግና ብዕይንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑስ ገለ እኻ ኣይጠቕምን እዩ። እቲ ዓያዩ ሰብ ብዙሕ ወይ ሒደት በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፡ ሃብታም ግና በቲ ብዝሒ ሃብቱ ተጨኒቑ ኸይደቀሰ ይሓድር። ኣብዚ ዓለምዚ ዝረኣኽዎ ዜሕዝን ነገር ኣሎ፦ ወዲ ሰብ ንኽፋእ መዓልቲ ኺኾኖ ኢሉ ብዙሕ ገንዘብ ይእክብ። እዚ ሃብቲ እዚ ብድንገት ይጠፍእ ወዲ እንተ ወለደ ኸኣ እቲ ወዱ ጥራይ ኢዱ ይተርፍ። ከምቲ ኻብ ማህጸን ወላዲቱ ጥራዩ ዚውለድ ከምኡ ኸኣ ጥራይ ኢዱ ይመውት ካብቲ ዝጸዓረሉ ሓንቲ እካ ኣይማላእን።ዜሕዝን ነገር እዩ፡ ኣመጻጽኣናን ኣከያይዳናን ሓደ እዩ፡ ደድሕሪ ንፋስ ከም ምጉያይ እዩ፡ ረብሓ ኸኣ የብሉን።
ኩሉ መዋዕል ህይወትና ኣብ ጋህን ኣብ ጸልማትን ኬንና ነህልፎ ብዙሕ መከራ ሕማምን ኩራን ድማ ኣለዎ።ኣነ ዝተዓዘብክዎ ሓደ ነገር ኣሎ፥- ሰብ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓጺር መዋእል ሕይወቱ ኪበልን ኪሰትን በቲ ኣብ ዓለም ዝጸዓረሉ ፍረ ጻማኡ ኪሕጎስን ጽቡቕ ኪርእን ግዲኡ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ሃብትን ጥሪትን ዝሃቦ ሰብ ካብኡ ኺበልዕን ግዲኡ ኺወስድን ብጻዕሩ ኺሕጎስን እንተ ኣሰልጠኖ ከምኡ ይግበር እዚ ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ናይ ልቡ ሓጎስ ስለ ዝሃቦ መዋእል ህይወተይ ሓጸርቲ እየን ኢሉ ኣይኪሓዝንን እዩ።” መክብብ 5፡10-20
ስለዚ እዚ ኹሉ ሰብ ንኽህብትም ናይ ምድሪ ነገር ከጥሪ ኢሉ ሰብ ምስ ሓውን ፈታዉኡን ዝጻላኣሉን ዝቃተለሉን ፥ ህይወት ከይተረፈ ዘሕልፈሉ ዘሎ ምድራዊ ሃብቲ ቃል እግዚኣብሄር ክምዕደና ከሎ ኣርጊጹ ከምዚ ይብለና፦
ስለዚ እዚ ኹሉ ሰብ ንኽህብትም ናይ ምድሪ ነገር ከጥሪ ኢሉ ሰብ ምስ ሓውን ፈታዉኡን ዝጻላኣሉን ዝቃተለሉን ፥ ህይወት ከይተረፈ ዘሕልፈሉ ዘሎ ምድራዊ ሃብቲ ቃል እግዚኣብሄር ክምዕደና ከሎ ኣርጊጹ ከምዚ ይብለና፦
• “ ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር ንጠበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ። ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ ኣዒንትኻዶ ናቲ ዘየሎ ኸተወድቕ ኢኻ። “ ምሳ 23፡4-5
• “ ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኻ ኣይተወድቀሉ “ መዝ 62፡10
• “ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ ካብ ኩሉ ስሰዐ ድማ ተሓለዉ . . . “ ሉቃ 12፡13-21
• “ እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን ንሰብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥም ኣብ ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።
• ፍቕሪ ገንዘብ ሱር ኩሉ ኽፍኣት እዩ። ገሊኦም ብህርፋን ገንዘብ ኪረኽቡ ኺብሉ ካብ እምነት ዘምበሉ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” 1ጢሞቴዎስ 6፡6-10
• “ ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ።
ሓደ እኻ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።
• ኹሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦስ ኣይኾነን።
• ዓለም ትሓልፍ እያ ፍትወታ ኸኣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘልኣለም ይንበር።” 1ዮሃ 2፡15-17
እምበኣር ዝኸበርኹም ሕዝበ ክርስቲያናት ሎሚ ከምቲ ኢሳያስ ዝብሎ ዘሎ ኮይና ከይንህልዉ ንርእስና ንመርምር “ ኣነ ግና ብኸንቱ ጸዐርኩ ንዘይጠቅም ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኩ ግናኸ ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር ዓስበይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ በልኹ።” ኢሳ 49፡4 ዝበሎ ኣብቲ ዘይረብሓና ነገር ክንድዚይ ሃምናን ቀልብናን ከነጥፍእ ኣይግበኣናን እዩ እንተሊናውን ሎሚ ንመለስ ምክንያቱ ኣይጠቅመናን እዩሞ።
• ኹሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦስ ኣይኾነን።
• ዓለም ትሓልፍ እያ ፍትወታ ኸኣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘልኣለም ይንበር።” 1ዮሃ 2፡15-17
እምበኣር ዝኸበርኹም ሕዝበ ክርስቲያናት ሎሚ ከምቲ ኢሳያስ ዝብሎ ዘሎ ኮይና ከይንህልዉ ንርእስና ንመርምር “ ኣነ ግና ብኸንቱ ጸዐርኩ ንዘይጠቅም ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኩ ግናኸ ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር ዓስበይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ በልኹ።” ኢሳ 49፡4 ዝበሎ ኣብቲ ዘይረብሓና ነገር ክንድዚይ ሃምናን ቀልብናን ከነጥፍእ ኣይግበኣናን እዩ እንተሊናውን ሎሚ ንመለስ ምክንያቱ ኣይጠቅመናን እዩሞ።
ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝነግረና ኣብዚ ምድሪ እዚ ክንሕጎሰሉ እንክለሉ ነገር ዝያዳ ሰማያዊ ነገር ከምዘየሎ ከምዚ ዝስዕብ እንዳበለ ይነግረና፦
• “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይተሓበን ፡ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይተሓበን፡ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይተሓበን ይብል እግዚኣብሄር።ዚሕበንሲ እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምኻነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን ይብል እግዚኣብሄር ።” ኤር 9፡23-24።
• “ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሕጉስኹ “ መዝ 122፡1
• “ ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ ኣብ ድንካን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምኻን ይሔሸኒ ።” መዝ 84፡10
• “ኻብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጎስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጎስ ኣንበርካ” መዝ 4፡7
• “ ብጎይታ ኹሉ ሳዕ ተሓጎሱ ደጊመ ተሓጎሱ እብል ኣሎኹ ።” ፊልጲ 4፡4
ከመይ ንመስል ኣለናሞ ሎሚ ጎይታ ንሰማይ ክወስደና ሕጂ እንተዝመጽእ ልብና ምድራውዶ ሰማያዊ መሊኡ ኣሎ። “ እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ በለኒ። እንሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፍድዮ ኸኣ ዓስበይ ምሳይ እዩ። ኣልፋን ኦሜጋን ፡ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።”ራእይ ዮሃንስ 22፡11-13
. . . . . . . . . . ይቕጽል
ኣብ ምጽኣቱ ምስቶም ብየማኑ ዝቖሙ የቑመና ኣሕዋተየ!
No comments:
Post a Comment