Post più popolari

Thursday 7 January 2016

1ይ ክፋል መልአኽቲ ልደት። ንኹሉኹም ክርስቲያናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዘይ ኣፋላላይ ብክርስቶስ ትኣምኑ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ልደት መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ክብሪ ኣብቀዐና !።

                      1ይ ክፋል
                                        መልአኽቲ ልደት።
ንኹሉኹም ክርስቲያናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዘይ ኣፋላላይ ብክርስቶስ ትኣምኑ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ልደት መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ክብሪ ኣብቀዐና !።


                                                                                       ብ/ቀሺ ሙሴ ሺሻይ
                                                                                 fathermusieshishay@gmail.com
ዝከበርኩም ፍቁራት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዓድን ኣብ በረኻን ኣብ ስደትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እዳ ተሳቀኹም ነዛ መዓልቲ ትዝክሩዋ ዘለኹም፡፡ደጊመ እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ጸንበረና ይብል።
ናይ ሎሚ በዓል ልደት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ረዚን ፈተናን ህዝቢና እውን ኣብ ከቢድ ምልካዊ ምሕደራ ተቋሪኑ፡በትን በትን እንዳ ተጸፍዐን መዕለቢ ሲኢኑን፡ እንዳ ተሳቀየ፡እኳ እቲ ልሙድ ደስ ዝበሎ ገንዘብ ኣፍሲሱ ዝብላዕን ዝስተን ከይገብር ገንዘቡ ኣብ ባንኪ ብናይ ሓያላት ተንኮል ተገቢቱን ተዘሪዑን፡ናይ የእምሮ ኲናት ተኣዊጁሉ፡ብኸብዱ ተታሒዙ ፡በቲ ከኣ እታ ስለ ህዝባ ብጸሎት ክትነቅሕ ዝግበኣ፡ቤተ ክርስቲያን ደበና ሓደጋ ኣንጸላሊዩዋን፡ ኣቦኣ ፓትሪያርካ ተኣሲሩ ኣብ ትሕቲ ሃዋርያዊ መርገም ብድልየት ዉሑዳት ተቆሪና፡ስፈር ቅልውላው ብምዃን ንክርስቶስ በዲላ ትዝክሮ ብምህላዋን ነቲ በዓል ክንዝክሮ ከለና ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ኣብ ልዕሊ ልደት ክርስቶስ እውን ቀልድን ኢዩ፡፡
ኢየሱስ ብቀዳምነት ዝጽወዐና ኣብ ነንሕድሕድና ፍቅሪ ክትህልወና ኢዩ፡እዚ ድማ ብዘየገድስ ዘለና ፍልልይን ናይ ሓሳብ ዘይምርዲዳእን ኢዩ።እቲ ንሓዉ ዝጸልእ ንሱ ኣብ ጸልማት ይንበር፡ምስቲ ኣምላኽ ብርሃን ከኣ ርክብ የብሉን።(1ይ ዮሐንስ 2:11)እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።ከም ዝበሎ እቲ ክሳዕ ፓትሪያርክ ምውራድን ኣሕሊፍካ ንመምህርካን ኣቦኻን ከም ይሁዳን ኣሕሊፍካ ክሳዕ ምሃብን ዘብጸሐ ብዓይኒ መንፈስ ክንፍትሾ ከለና ፍቅሪ ዘይምህላዋን ውጺኢት ጽልእን ኢዩ።ብሓቂ ድማ እቲ ንሓዊ ዝጸልእ ከምቲ ቃል ኣምላኽ (1ይ ዮሐንስ 3:10)ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።ዝበሎ ኢዩ።ሓደ ሰብ ናይ ኣምላክ ዲዩ ኣይኮነን ቅኑዕ ዲዩ ጉግይ ክንፈልጦን ክንስዕቦ ተደኣ ኮይና ብፍረ ኢዩ፡እቲ ፍረ ከኣ ከማና ሰባት ብስጋዊ ሓሳቦም ብጽልኢ ተደሪኾም ብዝህብዎ ኣንድምታ ዘይኮነስ ቀዳምነት ቃል ኣምላኽ ብዝህቦ ኣንድምታ ኢዩ፡እቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ናይ ኣምላክ ሰብን ኣብ መንጎ ናይ ሰይጣን ሰብ ዘሎ መፋላለዩ፡እንበኣር እዚ ኢዩ ኢልዎ ኣሎ።
ገለገለ ሰባት ቤተ ክርስቲያን ትኣክል እንዳ መርሑ ልደት ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኮነስ ንርእሱ ክርስቶስ ኣይተረደኦምን ዘሎ፡ንርእዮ ዘለና መዓልታዊ ምንቅስቃሳት ንቤተ ክርስቲያን ዘሕፍር ጥራሕ፡ ብመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኢና ዝብሉን ብቤተ ክርስቲያን ንመላለስ ኢና ዝብሉን ኢዩ።ብጣዕሚ ኢዩ ዘሰክፍ እታ ክንደይ ብቅድስነኦም ዝፍለጡ ኣቦታትን ኣዴታትን ዘፍረየት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ወዲቃ ክትርእይ ብጣዕሚ ኢዩ ዘተሓሳስብ። ስለምንታይ መራሒ ናይ ሓንቲ እምነት ስእሊ ናይታ ዝመርሓ ስለዝኾነ ብፍላይ ካህናትን ጳጳሳትን ስርሖምን ጻዊዒቶምን ብግቡእ ክፈልጡ ይግባእ።ክሳዕ ኣብ መንፈስ ጽልእን ህልኽን ቅርሕንትን ዘለዉ፡ ዋላ ጸጋ ጥምቀት ደኣ ይቀበሉ እንበር ከም ብሓድሽ ብስራተ ወንጌል የድልዮም ኣሎ ከም ብሓሽ ከኣ ንክርስቶስ ምቅባል የድልዮም ኣሎ፡፡ነዚ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ክንስከም ኢዩ እንበኣር ኣብ ልደቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጽወዐና።ስለምንታይሲ ኣብ ጸልማት ስለዘለዉ፡ ቃል ኣምላኽ እውን( 1ይ ዮሐንስ 2:9)ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ ስለዝብል፡፡
ክንደይ ሰባት ኢና እስኪ ምስ ከማና ዲያቆናይ ካህናት ምስ ከማና ጳጳሳት ምስ ፓትሪያርክ ዝኣክል ተኸሓሒድና ከለና ኣብዚ ልደቱ ብድፍረትን ብጭካነን ቁዱስ ቁርባን ክንፍትት ብድፍረት ኣብ ቅድመ ክርስቶስ ክንቀርብ ተዳሊና ኣሎና!!።ክንደይ ሰባት ኢዮምከ ኣብ ኤርትራ ብፖሎቲካዊ ሰበብ ንቄሳር ንምሕጓስ ጥራሕ ካብ ቅዱስ ቁርባን ተኣጊዶም ዘለዉ፡እዛ ምድሪ በቶም ጻዊዒቶም ዘይፈልጡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢና ዝብሉ ኣገልገልቲ ርእሶም ትነቅጽ ኣላ።ናይ ብሓቂ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሕዝን ካብ ምእመን ክሳዕ ጳጳስ በዚ ሕማም እዚ ተለኺፍና ምህላውና።ጳጳሳት ዝኣኽሉ ኣርማ ቤተ ክርስቲያን ንፓትሪያርኮም ኣሐይሮም እቲ ኣብ ወንጌል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ ንብጻይካ ምፍቃር ምስ ኣምላኽካ ምፍቃር ማዕረ ገይሩ ይሰርዓ(ማቲዎስ22፡3)ንመቃድስቶም ካህናትን መነኮሳትን ንደቆም ሰበኽቲ ወንጌልን ኣጭዉዮምን ኣእሲሮምን ኣስጊጎምን ኣጸሊሞምን ፡ከይተነስሑን ነቶም ዝበደልዎም ይቅሬታ ከይሓተቱን ብድፍረት መስዋእቲ ከቅርበሉ ክትርእይ መወዳእታ ከም ዝኣኸለን እቲ ርኹስ መንፈስ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ክቀውም ኢዩ ዝበሎ ኣምላኽ እውን ከም ዝኣኸለን ኢዩ፡ዘመላኽት (ሮሜ 13:9)
ኣመንቲ ከሓድቲ ኢልና ንሰባት ቅድመ ኢድና ምውጥዋጥና ንርእስና ክንፍትሽ ይግበኣና፡፡ጎይታ ኣብ ልደቱ ዝብለና ተደኣ ኣልዩ እውን ንሰባት ክንምርምር ዘይኮነስ ርእስና ክንምርምር ኢዩ(2ይ ቆሮንቶስ 13:5)ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ,,,,,,,,,,። ብሓቂ ድማ ኣብቲ እምነት ዘይምህላው ኢዩ፡ርእስኻ ከይመርመርካ እምነት ሰባት ክትምርምር ምፍታን።እቲ ቃል ኣምላኽ (ማቴውስ 5:23-25) ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ይብለና ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እኮ ኣብ ኣምላክ ዝኣምኑ ኢዮም ነይሮም፡ንቃል ኣምላኽ ታላሽን ታላቅን ዘውጽእሉ፡ግን ልቦም ካብ ክርስቶስ ርሑቅ ነይሩ ፍቅሪ ሓው ኣይነበሮምን፡ነቲ ሕጊ ንርእሶም ትንክፍ ዘየብልዎ ነቲ ህዝቢ ግን ከቢድ ጾር የዘክሙን፡ኩሉ መዓልታዊ ስርሓቶም ከኣ ንፈጣሪኦም ዘግህን ምሕረት ዘይርድኡ ጨካናትን ነበሩ።
ሎሚ እንበኣር ንሕና ብጥቅሲታት ክንዛረብ ልደት ክርስቶስ ብግቡእ ከይተረዳእናዮ፡ርሑቅ ዘለዉ ኣካላት ከምቶም ጓሶት ነቲ ሓጎስ ከይወስዱዎ ከነስተውዕል ይግባእ።ልደት ኢየሱስ ዝተበሰረ ነቶም ሊቃውንቲ ኢና፡ሊቀ ክስቶዶ ሊቀ ክስቶ ኣይኮነን፡እንታይ ደኣ ነቶም ትሑታት ጓሶት ነቶም ንዑቃት ጓሶት፡ሎሚ ክሳዕ ክንደኦም ዘይተሓትናን ማዕረኦም ስለ ወንጌል ዘይሓሰርናን ክርስቲያናት ክንበሃል ኣይከኣልን ትርጉም ልደት እውን ኣይተረዳእናዮን ዘለና።
ይቅጽጽልል ናብ 2ይ ክፋል

                ቀሺ ሙሴ ሺሻይ

No comments: