Post più popolari

Thursday 7 January 2016

2ይ ክፋል መልአኽቲ ልደት።

            2ይ ክፋል መልአኽቲ ልደት።
ንኹሉኹም ክርስቲያናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ብዘይ ኣፋላላይ ብክርስቶስ ትኣምኑ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ልደት መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ክብሪ ኣብቀዐና !።

ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ናብዚ ምድሪ ክመጽእ ዘገደዶ ነገር ተደኣ ነይሩ ፍቅሪ ኢዩ።እወ ፍቅሪ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎን ንክርስቶስ ዝኣምን ከኣ ዝገብሮ ነገር ተደኣ ኣሊዩ ፍቅሪ ኢዩ።እቲ ክርስቶስ ከም መድሓኒኡን ኣምላኹን ዝኣመነን ዝተረደአን ቅድመ ኹሉ ዝገብሮ ብፍቅሪ ኢዩ ዝገብሮ።ከምቲ ቃል ኣምላኽ(1ይቆሮንቶስ16:14)ኩሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር፡ዝበለና ካብ ጸሎት ጀሚርካ ኩሉ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያንን ህይወትናን ብፍቅሪ ክንገብሮ ይግባእ።ፍቅሪ ናይ ሰባት ሕማቅ ኣይትደልን ኢያ።ፍቅሪ ኩሉ ትኸድን ፍቅሪ ኣይተጸልምን ፍቅሪ ድማ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ልደት ብሰንኪ ጽልኢ ቃለ ባርኾት ኣቦ ቤተ ክርስቲያን ከይረኸብና ኣሕሊፍናያ ኣሎና።ብፍላይ ዝተወገዙ ኣቡነ ሉቃስ ብድፍረት ንጳጳስ ዝገበርዎ ፓትሪያርኮም ኣብ ገዛ ዓጽዮም ዝገበርዎ ባርኾት ቅዝፈት ኢዩ።ከምኡ እውን ሕማቅ ኣብነት ኢዩ።ፍቅሪ ናይ ኣፍ ዘይኮነስ ናይ ልቢ ክንገብር ኣሎና፡እቶም ካህናትን ጳጳሳትን ቅድም ንሰብ ፍቅሪ ግበር ምባልና ንርእስና ክንፋቀር ይግባእ።ጸሓፊ ብጹእ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣባ ሉቃስ ንርእሶም ብጽልእን ቅርሕንትን ምስ ዝባረኹዎም ኣቦኦም ቀዳማዊ እንጠንዮስ ኣብ ከቢድ ቂምን ጽልእን ህልኽን ከለዉ ከመይ ገይሮም ርእሶም ፍቅሪ ከይገበሩ ንፋቃር ምባሎም ዓቢ ሕቶ ኢዩ።ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ከይትሰምር ምስ መዘነኦም ኣቡነ ባስልዮስ ኮይኖም እንዳ ሰርሑ ከመይ ገይሮም ንስመር ንፋቀር ክብሉ ኪኢሎም ዘገርም ኢዩ፡እዚ ድማ ንቃል ኣምላኽ ከም ተራ ዓለማዊ ትምህርቲ ንጥቀመሉ ምህላውና ዘርኢ ዕልወት ኣብ ቤት ኣምላኽ ኢዩ።ብሓቂ ነዚ ዕልወት እዚ ክንንስሓሉ ይግባእ።

እንተኾነ ኣምላኽ ሎሚ ብሰንኪ ፍቅሪ ዘይምህላዉ ህጂ እውን ርስቲና ንኻልኦት ክህቦን ቤትና ከኣ ዓንያ ክትተርፍን ኢያ።ምኽንያት ሰላም ምስኣን ኣብ ቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ንክርስቶስ ስለዘየስመርናዮ ኣምላኽ ይቅየመና ኣሎ።ንዝወሃቡና ትምህርቲታትን ተግሳጻትን ብፖሎቲካዊ ዓይኒ ብምንጻግ ልብና ስለዝተረረ እቲ ምድሪ ይርገም ኣሎ።

እቶም ቅዱሳን መልኣኽታት ኣብዚ ዕለትዚ እዚ ዝበልዎ ነገር ተደኣ ነይሩ ከኣ፡እቲ ቃል ከምዚ ይብለና(ሉቃስ 2: 13-14)ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ
እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።ሰላም ዘለዎም እቶም ኣብ መንጎኦም ን ኣምላኽ ዘስምርዎ ኢዩ፡ንኣምላኽ ከተስምሮ ኸኣ ከምዚ ንርእዮ ንሰባት ብድምጺ ዘይብሉ ካራ ተስቆርቋራይ መሲልካ ምሕራድ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ ንኹሉ ብጽቡቅ እንዳ ጠመትካ ብዘይ ተንኮል ኢዩ፡ሎሚ ከም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን መጠን ቅድመ ብዛዕባ ልደት ክንሰብኽ ኣብ መድረኽ ምውጻእና ብንስሓ ኣብ ቅድመ ክርስቶስ ክንቀርብን ሓጥያትና ክንተኣማመንን ኣሎና።
ፍቅሪ ዘይብልካ እንተጾምካ እንተ ጸለኻ ልደት ተገበርካ ትንሳኤ እንተበልካ ኣይሰርሕን ኢዩ።ፍቅሪ(ማቴዎስ 5:21-26)ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም።22ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ኹሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።23እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሐሰብካ፡ 24ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። 25ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ።
ሎሚ ጳጳሳትናን ቅድመ መስዋእቲ ከቅርቡ ምሕሳቦም ነቶም ሓዚነምሎም ዘለዉን ብሰንኮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡን ቀዳማዊ እንጠንዮስ ይቅሬታ ክሓትዎም ይግባእ፡እዚ ዝግበር ዘሎ መርገም ኢዩ።እዚ መርገም እዚ ክሰብር ንክርስቶስ ከነስምሮ ኣሎና ንክርስቶስ ከነስምሮ ከኣ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ይግባእ።
ንጉዳእ ኣሎና ብህልኽ ነቲ ቃል እውን ከነስተውዕሎ ኣይኮነልናን ዘሎ።ጸላኢ ክርስቶስ ከለኻ ንልደቱ ትዝክሮ ዲኻ፧ ነዚ መልሲ እዚ ሎሚ ክንምልሶ ይግባእ፡ጸላኢ ክርስቶስ ጸላኢ ኣምላክ ዝበሃልከ ከመይ ዝበለ ኢዩ ከኣ ከነስተውዕል ይግባእከይንጠፍእ።ጸላእቲ ክርስቶስ ዲና ኣይኮናን፧ ከኣ እቲ ቃል ባዕሉ ኢዩ ዝምስክረልና ዘሎ።
ንሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒናን ተሓይሮምን ተኣሲሮምን ከለዉ ኣፍና ለጊምናን ንልደትካ ንዝክሮ ኣለና ተደኣ ንብሎ ኮይና ንክርስቶስ ቀልዲ ኢዩ፡፡ንሱ ስለዘይጥበር ይቁጥዐና ዝገደ መርገም ከኣ ይኸውን።ተስፋ ይገብር ኣምሰያ ኣዚ ቀልዲ እዚ ከይዓጸዱ እቶም ንቤተ ክርስቲያን ሒዞማ ዘንሻራቲቱን ዘለዉ ሰባት ክምለሱ።

ክቡራት ክርስቲያናት ሎሚ እቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ምውላዱ ብመንፈስ ተረዲእናዮ እንተደኣ ኣሊና፡ብመንፈስ ክንመላለስ ይግባእ።ጥራሕ ኣብኡን ኣብ ቃሉን ደኣ ንንበር እንበር በቶም መዓልታዊ ፉተናን መከራታትን ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ንሕና ደቂ ተስፋ ኢና።( ገላትያ 4:28)ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። (ሮሜ 8:24)ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን።(1ይ ቆሮንቶስ 8:6)ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና።(ሮሜ 8:24)ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን።ክሳዕ ክንድዚ ዝኸውን ተስፋ ስለዘለና ኢና ከኣ፡ዋላኳ ሞት ኣብ ከባቢና እንተ ኣዝየመ ድንብርጽ ዘይብለና።ግን ምናልባሽ ኣብኡ ዘየለና ከይንኸውን ክንጥንቀቀላ ይግባእ ንህይወትና።
ፍቁራት ስድራ ኣምላኽ ንቅዱሳን ደቂ ዓዶም፡ንዓና ልደት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ተራ መዓልቲ ኣይኮነን፡እዚ ልደት እዚ ርእሰ መዓልታት ኢዩ፡ስለምንታይሲ ክርስቶስ እንተዘይዉለድ ኣይምተሰቅለን ኣይሚሞተን ተዘይ መውት ከኣ ሰኣን ንጹህ ደም ዘፍስስ በጃኻ ዝኾነና ኣብ ትሕቲ መርገም ምነበርና ነይርና፡ግን ክርስቶስ ኢየሱስ ንሱ እቲ ቅዱስ ፡ብምውላዱ ንሕና መሰል ዉሉድነት ረኸብና፡ኩሉ ካብ ስቅለቱ ስለዝብገስ ድማ ኢዩ፡ልደት ጎይታና ክብሪ ዝህልዎ።
እቲ ዘገድሰና ከኣ ክርስቶስ ዕለት 25ዶ ዋላስ ዕለት 7 ጥሪ ተወሊዱ ዘይኮነስ ክርስቶስ ተወሊዱዶ ኣይተወለደን ኢዩ፡፡ናትና እምነት ኣብ ምውላድ ክርስቶስ ደኣ እንበር ኣብቲ ዕለት ኣይኮነን፡፡ስለዚ እቶም በዚ ዝቋራቆሱን ነቲ ንጽበዮ ዘለና ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ንጥፈታት ዘካይዱ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣካላት ንሓድነት ክርስትና በዚ ጓል መገዲ ኣብ ሓደጋ ከየውድቅዎ ብስም ስላሴ ይጽውዖም፡እንተ ኣብዮም ግን ክርስቶስ ኣብ ምጽኣቱ ክሓቶም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ።
ንሕና ንልደቱ ፍሉይ ክብሪ ኣሎና።ምውላድ ክርስቶስን ከኣ ብኣና ጥራሕ ዘይኮነስ ብጽእናኡን ክብሩን ከሃልነቱን ዋላ እቶም ዘይኣምኑ ብክርስቶስ ዝመስክርሉ ኣብ ዓለምና ዝተፈጸሙ ኣደነቅትን ሓቅን ክውኒነታት እውን ብምዃኖም ዕግበት ኣሎና፡፡እወ ክርስቶስ ተወሊዱስ ተሰቂሉ ሞይቱ እኳ ንሞት ብምሕማቅ ካብ ሞት ብምትንሳእ ንዓና ካብ ማእሰርቲ ሞት ፈቲሑና።
ክቡራት ሰዓብቲ ክርስቶስ ሎሚ ዝብሎ ኣሎኒ ንሱ ድማ፡ልደት ክርስቶስ ከም ባህሊ ዲና ዋላስ ተረዲኡና ኢና፡ኣብቲ መዓልቲ ንሕጎስ ዘለና፡ነዚ ከነስተውዕል ኣሎና፡፡ስለምንታይሲ ኩሉ ግዜ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ይርእዮ ከም ዘለኹ፡ንክርስቶስ ዘግሂን ምስ ኣምላኽ ዘባእስን ብሽም በዓል ተባሂሉ ዝዳሎ ፈንጠዝያን ጓይላን ሆሆን ህዝብናን ብሃገር ደረጃ ዘለፋ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ይፍጸም ስለዘሎ ኢዩ።
ክቡራት ክርስቲያናት ሎሚ ንልደቱ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ተረዲኡና እንተ ደኣ ኣልዩ፡ነቶም ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ማእሰርትን ብፈጠርቲ ራዕዲ ተጨውዮም ንዘለዉን ደቂናን ኣሕዋትናን ክንዝክሮምን ብጸሎት ስለኦምን ክንነቅሕን ኣብ ፈተና ጎይታ ሃይሉን ጥበቡን ክልእከሎምን ክሳዕ እሙናት ክኾኑ ሓይሊ ክህቦምን ክንነቅሕ ይግባእ።ብተወሳኺ ኸኣ ንስድራኦም ከነጻናንዕን ይግባእ፡ትርጉም ናይቶም ልደትን ብሓቂ ዝተረድእዎ ክርስቲያናት እንባኣር እዚ ኢዩ።
እንተ እዚ ዝግበር ፈንጠዝያን ሆሆን ብፍላይ ሎሚ መጺኡ ዘሎ፡ሃገራዊ በዓል ክርስቶስ ስለተወለደ እንዳ ተባህለ በቲ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ዘይተሓሓዙ ኣርእስታት ዝተኣናገድሉ፡ንብዝነሶም ዝገበሩዎ፡ክንነጽጎ ይግባእ።ምስ ክርስቶስ ዝተኣሳሰር ንጥፈታትን ውራያትን ደኣ ክግበር ይግባእ እንበር፡ኣሸሓት ገንዘብ ተሰሊዑ ጥልመት ህዝቦም ኣብ ሕቆኦም ንዝተዓጠቁዎ፡ብኽያት ህዝቦም ዘይግድሶም ሰበስልጣን መስከርን መሐጎስን ገይርካ ጎይላን ስኽራንን ሰይጣን ክምለኽን ክንዲ ጸሎት ነታ ሃገር በረኸት ዝኸልእ ክፉእ ሰይጣናዊ ዊዲት ኢዩ፡፡ነዚ እውን ብጸሎት ክንነቅሃሉ ይግባእ።ሎሚ ጸሎት ደኣ እንበር ጓይላ ንገብረሉ እዋን ኣይኮነን፡ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ጓይላ ሓጢኣት ኢዩ፡እቶም ዘጎይሉዎ መንግስተ ኣምላኽ ኣይኣትዉን ኢዮም።(ሮሜ13:13)(ገላ5:21)
እዚ ድማ ንልደት ከም ባህሊ ነብዕሎ ስለዘለና ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።ኩሉ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾነ ፈንጠዝያ ናይቲ እኩይ ምዃኑ ፈሊጥና ንክርስቶስ ኣብቲ መዓልቲ ልደቱ ንዕኡ ብምውዳስን ብምዝማርን ኣብ ቤት ኣምላኽን ኣብ ቤትናን ክንዝክሮ ይግባእ።ካብኡ ወጻኢ ግን ኣንጻር ኣምላኽ ኢዩ።
ሓይልና ኣብ ጸሎት ይኹን ስለ ኤርትራን ስለእዘን ንነብረለን ዘለና ሃገራትን ብጸሎት ክንነቅሕ ይግባእ፡ኤርትራን ምድሪናን ርስቲናን ብምዃና እዘን ንነብረለን ሃገራት ከኣ ንዓና ሰላም ስለዝረኸባ ኢየን ኣዕቂበናና እሞ ክንጽልየለን ይግባእ ማዕረ ሃገርና ኣምላኽ ይባርከን እንዳ በልና።ሎሚ ንዓና ን ኤርትራውያን ምድርና ክትፍወስ ተደኣ ኮይና ጸሎት ኢዩ ብዝያዳ ቀዳምነት ዘድልያ እሞ ክንጽልየላ ይግባእ።
ኣምላኽ ን ኤርትራን እሱራታን ግዳያታን ይዘክር፡፡ኣምላኽ ንእሱራት ኤርትራ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣፍሪሱ፡ሞቆሖም ኣብዚ ልደት እዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሓሸምሸም ኣቢሉ ይስበሮ።ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ዝመርሐና ቃል ህዝቡ ዘኽብርን ዝሰምዕን መራሕን ይሃብ፡ንሕልቅነት መናፍስቲ ኸኣ ካብ ምድሪናን ርስቲና የርሕቅ፡ጥዕናን ተስፋን ዓወትን ንእሱራት ኤርትራ ።ኣምላኽ ን ኤርትራን ህዝባን ይባርኽ ! ኣሜን።
ወስብሀት ለእግዚአብሔር
        ቀሺ ሙሴ ሺሻይ

No comments: