Post più popolari

Tuesday 20 February 2024

1 ክፋል እቲ ነዛ ዓለም ብገይጋ ተረዲእዋ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ከይከዉን ይፈርሕ ኣሎኹ።

 1 ክፋል እቲ ነዛ ዓለም ብገይጋ ተረዲእዋ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ከይከዉን ይፈርሕ ኣሎኹ።


ንተቃዋሚ ይኹን ደጋፊ ንነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዝተማህረ ይኹን ዘይተማህረ ኤርትራዊ ንዓለም ከይወሓጠቶ ክርድኣ ኢዩ። ንሽካዕ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ መገድና ክርእዮ ከለኹ።

እዛ ዓለም ብምዕራባዉን ምብራቃዉን ዓለም ትዕብለል ዘላ ኮይና፡ሕልሚ ክልቲኦም ድማ ከመይ ኢልና ባሮቶም ኮይና ንቅጽል ኢዩ።ከመይ ገይሮም ይምዝምዙና፡ነዚ እቲ ቅኑዕ ምዕራባዊ ህዝቢ ዝምስክሮ ኢዩ።

ምብራቃዊ ፖሎቲካ ጎነጸኛን ጥበብ ዘይብሉን ገታርን ስለዝኾነ ንኸተለልዮኳ ቀሊል እንተኾነ፡ምዕራባዊ ግን ፍጹም ክልለ ዘይክእል ሓደገኛን ፡ንዘለልዮ ብዓንተቦ ተረዲኡ ዝቆጽን ኢዩ።

ንምዕራባዉያን ፖሎቲከኛታት ደሞክራሲ ፍትሒ ንሰብ ዝህቡ ማዕርነት ዘንግሱ ንኹልኻ ሓደ ዓይነት ገይሮም ዝርእዩ ገይርና ኢና ንቀርጾም ግን ኣይኮነን።

ከም ኣብነት፦ ምዕራባዉያን ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታትን ካብ፡ኤርትራ፡ካብ እታ ብሰሪ ኣመሪካ ዝፈረሰት ሶርያ፡ዒራቅ፡ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ስደተኛታትን  ሓደ ገይሮም ኣይርእዩዎምን።

እቶም ካብ ዩክሬን ወጻኢ ዝመጻእና፡ኣፍሪቃዉያንን ኤስያዉያንን ናብዚ ምዕራባዊ ዓለም ክንሕወስ ዝግበረልና ጸቅጥን፡ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ተጽዕኖን ኣይቁጸርን ኢዩ።


ካብ ሶርያ ዝመጸን ካብ ኤርትራ ዝመጸን፡ክንዮ ፖሎቲካ መሸቀጢ ኣብ ቅድመ ምዕታባዊ ዓለም ትርጉም የብሎምን።ዝልዓለ ትምህርቲ እንተ ሓቲቶም ዝልዓለ ሞያ ክመሃሩ እዉን በቲ መስርሕ ብመንፊት ክሓልፉዩ ዝግበር፡ካብ ዩክሬን ዝመጸ ግን፡ቋንቋ ጀርመን ዲዩ፡እንግሊሽ ወይሲ ፍራንስ ክመሃርኳ ኣይግደድን፡ኣብ መገዲ ክመሃሮዩ ዝብሃል።ተምሃሮ ተኾኑ ኣብታ ዘቋረጹዋ ክውጽሉዩ ዝግበር።ዶክተር ተኾይኑ ናብ ስርሑ ይኣቱ።

ዝኾነ ዩክሬናዊ ኣውረጳ ምስ ኣተወ፡ዘድለዮ ኢዩ፡ዝወሃቦ ዘድለዮ ገንዘብ ዘድለዮ ለቃሕ ዘድለዮ ገዛ ዘድለዮ፡መኪና፡ከም ኣፍሪቃን ኤስያስ ስራሕ ኣለዎዶ የብሉን ዋላ ገለ ኣይሕተትን።ካብዚ ዘለኽዎ ሃገር ኣትሒዝካ።

ማዕርነት ሓደ ዓይኒ ዝብሃሉ የለዉን።እቲ ሓደ ዓይኑ ምናልባት ኣብ እቶም ኣፍሪቃን ኤስያስ ክኸዉን ይኽእል ኢዩ።ሓደ ኣፍሪቃዉን ሓደ ዩክሬናዉን ሓደ ዓይነት ኣብ ቅድመ እቶም ለብራል ዝኾኑ ኣውረጳዉያንን ኣብ ዓይኒ እቲ ቅኑዕ ህዝቢ ኣውረጳን ምናልቫሽ ኣብ ቅድመ ፖሎቲካ ምዕራብ ግን ኣይኮኑን።ናብ ዜና እወ ኣብ መስርሕ ግን ኣይኮነን።

* ዝኾነ ስርቂ ወይ ገበን ተተፈጺሙ፡ዝጥርጠሩ ብፖሊስ ዝፍተሹ ካብ ኣብዚ ዘለኽዎ ሃገረ ስዊዝን ካንቶን ዙግን ኣትሒዝካ ምሉእ ኣውረጳ ኣፍሪቃዉያንን ዓረብን፡እዞም ፓርሽያዉያንን ጥራሕ ኢዮም።ዘርኣዉነት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣውረጳ ዓቢ ተራ ኣለዎ፡ግን ብጥበብ ኢዩ።

* ብዝሓለፈ ኣብ ሓደ ቦታ ሓንቲ ሰበይቲ ገንዘብ ዲዩ ወርቂ ምስ ጠፍኣ፡ካብ ዓሰርተታት ሰራሕተኛታት ፖሊስ መጽዮም፡ዝፈተሽዎ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ኣብዚ ዓዲ ኣፍሪቃዊ ነይሩ።ጁበኦ ቦርሳኡ ፖርተሞንኡ ፡ስርኡ ጋርዳሮበ ንብሎ ክዳን መቀየሪኡ።

ኣብዚ ዘለኽዎ ሃገር ባልካናዉያንን ካልኦት ተቀማጦ ርሑቅ ኣውረጳን ነዚ ብደንቢ ኢዮም ዝምዝምዝዎ፡ደስ ዝበሎም፡ይሰርቁ የታሊሉ፡ ገበን ክገብሩኳ ኣይስከፉን ምኽንያቱ እሳቶም ብዝገበሩዎ ዝሕተት ጸሊም ዝብልዎ ኢዩ።

ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ ኣውተጳዊ ሕብረት?

*ብዝሓለፈ ኡርሳላ ናይ ኣውረጳዊ ሕብረት ሓላፊት ብዛዕባ ዝሞተ ሩስያዊ ፖሎቲከኛ ትነብዕ ነይራ።ንሞት አለክሰ ኣነ እዉን ይኹኒኖ ኢየ።ግን ህጻናት ፍልስጠም፡ትግራይ ሶርያ፡የመን ሰብ ዝሰርሖም ሮቦታት ኮይኖም ስለተራእዩዋዶ ትኸዉን ሪኢናያ ዘይንፈልጥ ዓገብኳ ክትብል? ሚዘን፡ኣበይ ኣለኻ ኣስተውዕል ድሕሪዚ ዝተርፈካ ኣምላኽ ጥራሕ ምዃኑ ወገንካ ምፍላጥዩ።

ካልእ ግዳ ሕቶ ኣሎኒ ኡርሳላ ኣውረጳዊ ሕብረት  ምዕራባዊ ፖሎቲካ ብሞት ሰብ ዘተሓሳስቦ ተኾይኑን፡ንቀተልቲ ዝጽየፎም ተኾይኑን።

* ስለንታይ ንኢራን ክጸልኡ ነታ ዓርቢ ዓርቢ ሰብ ከም በግዕ ትሓርድን ትሓንቅን ስዑዲ ዘይጽየፉዋ?

*ምዕራባዊ ፖሎቲካ ሓቂ እንተ ኣለዎ፡ንምንታይ ኢዩ፡ብዛዕባ ዝፈረሰ ህንጻታት ዩክሬን ከስቆርቁር፡ብዛዕባ እቶም ኣብ የመን ብድሮንን ደብዳብ ነፈርትን መሓዙት ኣውረጳን ኣመሪካን ዝኾኑ፡ሃገራት ወሽመጥ ዝሃለቁ፡ህጻናት ቤት ኣልቦ ዝኾኑ የመናዉያን ፍጹም ዘይገደሶም።

* ኣብ ትግራይ ብዓርኪ ኣመሪካን ምዕራባዊ ዓለምን ዝኾነ ኣብይ ልዕሊ ፍርቂ ሚሎን ህዝቢ ኣስታት ሾመንተ፡ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ኣብዝሓ ክሃድሙ ዘይኽእሉ ህጻናትን በርገሳዉያንን ደቂ ኣንስቲዮን ረጊፎም፡ሃሊቁ፡ጨፍጫፍ ብሰለስተ ኣርባዕተ ሃገራት ተኻይዱ፡እዚኦም ሰብ ዘይኮኑ ዲዮም፡ፑቲን ብገበን ጨፍጨፍ ክሕተት፡ኣብይ ኮነ መሻርኽቱ ግን ክሲ ከይምስረቶም፡ጥራሕ ዘይኮነ ተገብረ እገዳ ብኣመሪካ ተላዒሉ።

ኣብዝሓ ኤርትራዊ ንኣመሪካ ከም ዋሕስ ክርስቲናን፡ከም ዋሕስ ደሞክራስን ገይሩ ይርእይ ግን ሓሶት ኢዩ።ኣመሪካን ኣውረጳን ምስ ኢሳይያስ ዘባእሶም ጋኒን ጠባይ ኢሳይያስ እንበር፡ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ስለዝጨፍጨፎ ኣይኮነን።

ኢሳይያስ ዝበልዎ ዝቅበል ተዝኸዉን፡ዋእ ንዓና ኩሊትና እናሸጠ ዓገብ ኣይምበልዎ።ኢሳይያስ ድማ ነዚ ኣጸቢዉዩ ዝርድኦ።ስለዚ ድማ ኢዩ፡ንህዝቢ ኤርትራ ጨፍሊቁስ ስርራዊቱ፡ትግራይ ብምስዳድ  ንኣብይ ሓጊዙ ህዝቢ ዘጽነተ።

ኢሳይያስ ንምዕራብ ዘገድሶም እንታይ የሕሚሞን እፈልጥ ኢዩ፡ኣብኣ ድማ ብጩቅ ኣይብልን ግን ጠባዩ ኮይኑዎ ምስኦም ኣይሰርሕን።


ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ገሊኡ ምስ ሩስያ ገሊኡ ምስ ኣመሪካ ወጊኑ፡ክማጎት ይዉዕል ክንዲ ዝመሃር ግን ክልቲኦም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም።

ይቅጽል።

No comments: