Post più popolari

Sunday 18 February 2024

አሓቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ቤተ ክርስቲያን.

አሓቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ንኸይትመጽእ ብፖሎቲካ ዝግበር ጥርናፈ  ንቃወሞ።

ድሕሪ ሕልፈት ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ፡ብድሕሪኡ ድማ ድሕሪ ሽመት ኣቡነ ቄርሎስ ቤተ ክርስቲያን ብዘይፓትሪያርክ ኣብ ጉጅለታት ተኸፊላን እቲ ሓደ ጉጅለ ናቱ ንምጉልባት እቲ ሓደ ድማ ናቱ፡ ንምጉልባት ወራር ዘካይደላ ጎልጎል ኮይና ተሪፋ ኣላ።
ንዓይ ኣገዳሲ ህጂ መጻኢ ሃይማኖትናን ህዝብናን ኢዪ።መጻኢ ቤተ ክርስቲያና ዉሑስ ዝኸዉን ድማ ብምሕረትን ይቅሬታን ዝርለና ምፍልላይ ቀስብቀስ እናቀረፍና ኣብ ሓደ ምዃንዩ።
ጸላእቲ ኦርቶዶክስ ወይ ድማ ጸላእቲ መስቀል ጡርኑፋት ኢዮም።ዉሑዳት ንዓመታት ብስም ቤተ ክርስቲያን ጁበኦም ዘሕበጡን ትካላት ዝኸፈቱን ካህናት ክሕጎሱልናን ንኸየውቅዑናን ፈሪሕና ህዝብና ተበቲኑ ክነብር ክንፈቅድ የብልናን።
እቶም ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጳጳሳት ዉጉዛት ኢዮም፡ንብሎም ዝነበርና ንርእስና ነቲ ትማሊ ዝበልናዮ ክሒድና ሓድሽ ድራማ ከም ሰማእቲ ዘይቅበሎም ዝብል ሒዝና ህጂ እዉን ንምኽፋላ ክንጓየን፡ንልክዕ ከም እቶም ኣብ ኣስመራ ዘለዉ፡ተወጊዞም ንብሎም ዝነበርና፡ኣቡነ ሲኖዳ ተዓሪቅና ክንብልን ነቲ ዉጉዝ ንብሎ ቃል ክንክሕዱ ብካህናትና 2 ቃል ክንዛረብን ተራኢና ኣሎና።

እዚ ንገብሮ ዕንደራ ድማ፡ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይረብሕ ዘይሓትት ዓረብያ ስለዝቆጸርናዮን ኢዩ።የደለና ሎሚ ከነጥቅዕ ዉጉዝ ንብል ንሓደ መሳርሒና ክኸዉን ይኽሽልዩ ንብሎ ድማ ብጹዕ ዉጉዝ ኣይኮነን ንብሎ
እዚ ኩሉ ለወጥወጥ ስብቲ ንመርሖ ኢና ንብሎ ህዝቢ ክብሪ ስለዘይብልናን ኢዩ።ተዘይከዉን ትማሊ ተወጊዞም ዝበልናዮም፡ሎሚ መልሓስና ክንልውጥ ኣምይተራእየን።ህጂ ግን እቲ ዉግዘት ስብ ሓደ ዝሰርሕ ኣብ ሓደ ድማ ዘይሰርሕ ኣይኮነን፡ናይ ኣጣል ይፍልሓ ናይ ኣሓ ይጽንሓ ዝብሃል የሎን።
ኣቡነ ሲኖዳ ማዕረ እቶም ኣስመራ ዘለዉን ብግልን ብቀዳማዊ እንጦንዮስ  ተወጊዞም ኢዮም።ምስ ኣቡነ ሲኖዳ የድኣ ተዓሪቅና  ውግዘት ፖሎቲካዩ፡ኢልና ጽቡቅ ዉሳነ፡ንምንታይ ድኣ ምስ እቶም ኣስመራ ዘለዉ ዘይንዕረቅ ንዝብል፡ኣመሪካ ዘለዉ፡መሳርሕትና ዋናታት ተጻረርቲን ነዚ ንዝበለ ክግሊሉን ምሳና ዘይኮነ ክብሉን ይረኣዩ ኣለዉ።
ኣብቲ ዝገብሩዎ ዕርቂ ድማ ይሓትት ኢዩ፡ንቁሕዩ ንዘዝተባህለ ምሳና ኣይኮነን ብዓል ክስቶ ዘይብሉ ዕርቂ እናበልካ።ይጉየ ኣሎ፡እዚ ቤተ ክርስቲያን ስብ ክልተ ሰለስተ ተመቂላ ንኽትቅጽል ህዝቢ ተበቲኑ ንኽተርፍ ዝግበር ዘሎ ድራማ ሎሚ ክቅሰብ ተዘይ ተገይሩ ከከም ዝደለኻዮ ምኻድ ከስዕብ ኢዩ።
ኣነ  ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ጽልኢ የብለይን። ዝብሎ ግን ዋላኳ ንኸይንሓትት ንኸይንዛረብ ተሓቢኦም ኩሉ ይገብሩዎ ተሃለዉ፡መልአኽቲ ናብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ግን ድኻም ስለዘየድሊ ህዝቢ ዝግበር ዘሎ ምትላል ንኽፈልጥ ክንዛረብ ኢና።
1ይ)ብኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሲኖዳ እተገብረ ውግዘት ዘይሰርሕ ተኾይኑ፡ኣብ ኤርትራ ዘለዉ፡ጳጳሳት እተገብረ ውግዘት እዉን ፍጹም፡ጽልኢ ተዘይኮይኑ ኣይሰርሕን ህዝቢ ምትላል ደው ኣቢልና ምስ ኣቦታትና ንተዓረቅ።
2ይ)ድሕሪ ሕልፈት ኣቡነ እንጠንዮስ ውግዘቱ ተላዒሉሉ ዝተባህለ ጳጳስ የሎን።ምስ ኦርየንታል ቀዲስና ወይ ገለ ምኽንያት ኣይቁጸርን።ግብጻዉያን ተኾኑ ምስ እቶም ኤርትራ ዘለዉ ቀዲሶም ምሳና ቀዲሶም፡ስለዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎና ክህናት ናብ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጳጳሳት ክንጥርነፍ ወረቀት ክንጽሕፍን ክንማያየጥን ይግባእ። 2ይ ጉጅለ ዝብሃል ክተርፍ ኣለዎ።እምቢ ንሱ ኢና ንደሎ ንዝብል ግን ወልፊ ምርባሕ ዘለዎ 10 ክንገብረሉ ንኽእል ኢና።
3ይ) ፖሎቲካ ካልእዩ ሃይማኖት ካልእዩ፡እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ።ጳጳሳት ኣቦታትና ስለዝኾኑ፡ኣይትቃወሙ ኢሎም፡ክሳዕ ዘየውገዙና፡ካብኦም ህዝቢ ሕዝና ክንፍለ ንቤተ ክርስቲያን ምፍራስ ስለዝኾና።ህዝቢ ናብ ሓደ ክጥርነፍ ይግባእ።
4ይ) ህዝቢ ሎሚ ስቅ ተድኣ ኢሉ፡ከምዚ ተድኣ ተለሚዱ፡እቲ ስርዓት ተወዲቁ፡እታ ቤተ ክርስቲያን   ጎጉርበኡ ሒዙ ኣብ ፈቀዶ ህንጻ ዝፍለየላ ኢያ፡ክትከዉን።ሎሚ ነሰምዕ ኣሎና፡ሎሚ ስቅ ኢሉ፡ጽባሕ ክውርዚ ንዝፍትን ግን ዝሰምዖ የሎን።

እቲ እንኮ መፍትሒ እምበር፡ኣቡነ ሽኖዳ ሒዝና ብምፍላይ ንቤተ ክርስቲያን ንምክፋልን ንምብታን እንገብሮ ህዝቢ ዓገብ ክብሎ ኣለዎ፡ጥራሕ ዘይኮነ ኣቡነ ሲኖዳ ኮነ፡ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ እንምራሕ ናብ ኣስመራ ክንጥቅለል ይግባእ።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል።

No comments: