Post più popolari

Sunday 15 March 2015

ደብረ ዘይት

ደብረ ዘይት
 
እዚ ዕለት እዚ ብናይ ቤተ ክርስቲያና ስርዓተ ትምህርትን  ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ደብረዘይቲ ይበሃል።ከምተን ዝቀደማ ሰንበታት ኩሉ ናይ ቅዱስ ያሬድ ስያሜ ኪከውን ከሎ፡በዚ መዓልቲ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረዘይት ተቀሚጡ ከሎ፡ዝበሎ፡ ብግርማ መለኮት፡ብመለኮታዊ ሓይልን ግርማን  ብቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ፡ከም ዝመጽእ፡ናይ ዓለም ፍጻሜ ከምኡ ከም ዝኸውንን፡ኣብ ደብረዘይቲ ምስትምሃሩ፡ብምዝካር፡እቲ ብኽብሪ ዝዓረገ ጎይታ ህጂ እውን ብኽብሪ ብምምጻእ፡ነቶም ዝተኣዘዙዎ፡ዓስቦም፡ብምሃብ።ነቶም ዘይተኣዘዙዎ ኸኣ ዓስቦም ብምሃብ፡ምድራዊ ስርዓት ብምስዓር ሰማያዊ ስርዓትን መንግስትን ክእውጅ፡ካብ ኣዒንቲ እቶም ዘፍቅሩዎን ዘፍቅሮምን ንብዓት ክሕንስስ፡ንሓጥኣን ክወቅስ፡ንጻድቃን ክውድስን ክንእድን፡መንግስቱ ከውርስን፡ምምጽኡ እንዳ ሓሰበት ቤተ ክርስቲያን ን ኣምላኻን መድሓኒኣን ኢየሱስ ክርስቶስ ተምልኽ።
ቅዱስ ያሬድ እውን እንበኣር ነዚ ትምህርቲ እዚ፡ብመዝሙሩ ክጠቅሶ ንርእይ፡ስለዚ ድማ ኢዩ፡በዓል ዜማ ኣብ ይትበሃል ደብረዘይት ዝብሎ።
ናይ ዕለት ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ርእሲ"እንዘ ይነብር እግዚእነ ዉስተ ደብረ ዘይት"ዝብል

ናይ ዕለቱ ምስባኽ፡

እግዚኣብሔርሰ ገሀድ ይመጽእ
ወአምላክነሂ እያረምም
እሳት ይነድድ ቅድሜሁ


፠ እግዚኣብሔር ወልድ ብስጋ ማርያም፡ስጋ ለቢሱ ይመጽእ፡መጺኡ ድማ ስቅ ኣይብልን።ወይልኹም ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን።ኢሉ ይወቅስ፡ወቂሱ ስቅ ኣይብልን ወንጌል ይሰብኽ።
እግዚኣብሔር ወልድ በክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት 2ይ ግዜ ክመጽእ ኢዩ።መጺኡ ስቅ ኣይብልን፡ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ፡ነቶም ጻድቃን"ኣንቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ናባይ ንዑ፡እቲ ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ኣቦይ ውረሱ፡ነቶም የማኑ ዘለዉ ይወስዶም።ነቶም ኣብ ጸጋሙ ዘለዉ ሓጥኣን ከኣ ኣንቱም ርጉማት ኪዱ ናብቲ ንሰይታንን ሰራዊቱ ዝተዳለወ፡ኢሉ ከባሪሮም ኢዩ።ብቅድሜኡ እሳት ይነድድ፡ማለት ንጻድቃን፡ዝድሕንሉ ህይወት፡ንሓጥኣን ዘጥፍእ መዓት፡ብባህሪኡ ኣለዎ።

ደብረ ዘይት ማለት ሓደ ኪሎ ሜተር ካብ ኢየሩሳሌም ርሒቃ እትርከብ ብርኽ ዝበለት ከተማ ኢያ።ኣብ ብሉይ ኪዳን ቅዱስ ዳዊት ካብ ወዱ አቤሴሎም ናብዚ ከረን እዚ ከም ዝሃደመ ነብብ፡(2ይ ሳሙ15:30)።
ከምኡ እውን ዚሩባቤል ዝሰርሓ ቤተ መቅደስ፡ኣደባባይ፡ካብ ደብረዘይቲ ሰብዓ ሜትሮ ሓፍ ኢላ፡ትርከብ፡ከምኡ እውን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ግዜ ሆሳዕና፡ካብ ደብረዘይቲ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኣተወ፡ኣብ(ማር1:11)ነብብ።
ጌቴሴማኒ ዝተባህለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸለየሉ፡ቦታብ እውን ኣብዚ ጎቦ እዚ ኢዩ።(ማቴ26:30-36)ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ እውን ካብዚ ቦታ እዚ ኢዩ።(ሉቃ24:52)(ግብ1:12)ከምኡ እውን ነብይ ዘካርያስ፡ጎይታ ነዛ ዘላ ዓለም ንምሕላፍ፡ናብዚ ከረን እዚ ከም ዝመጽእ፡ኣብ (ዘካ14:4) ክንበ ነንብብ።ጎይታ 
ባዕሉ ኸኣ ኣብዚ ከረን እዚ ከሎ እዩ፡ዳግማይ ምጽኣቱ ንሃዋርያት ዝነገሮም።
ስለዚ ድማ ኢያ ጥንታዊት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ስያሜኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኮይኑ፡ነዛ ሓሙሸይቲ ሰንበት ጾም ኣርብዓ ደብረዘይት ኢላ ብምስያም፡ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ እትስበኸላ መዓልቲ ገይራ ብምፍላይ፡ደብረዘይቲ ኢላ ብምስያም ሰሪዓታ።
ናይ ዕለቱ ርእሰ ትምህርቲ
1ይ፣ 1ይ ተሰሎ4:13 ዲያቆን
2ይ፣2ይ ጴጥ3:7-15 ንፍቅ ዲያቆን
3.ግብ 24፡1-22 ተሓጋጋዚ ዲያቆን
4ይ፣ ወንጌል ማቴ24:1-36 ቀዳሴ ካህን
ኣብዚ ዕለት እዚ ዝንበብ ወንጌል ( ማቴዎስ 24:1-36)ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተ መቅደስ ወጺኡ፡ናብ ደብረ ዘይት ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ብሕት ኢሎም ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።ኢየሱስ መሊሱ በሎም።
ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።6ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።7ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 
10ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። 11ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።12ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።14እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።15
እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - 
16ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 17ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ።18ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ።19በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን።20-21ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። 
22እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።23
ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ።24ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።25እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። 26እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ፡፡ ኣብ ቤት አሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ።27በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።28ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።29
ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።30ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።31ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።33ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።34እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።35ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ።
ኩቡር ኣንባቢ፡ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ ኢዩ።ንሱ ምልክት ምጽኣቱ ዝሃበና ነጥብታት ኩለን ብእርይ ቁጽር ተጠቂሰን ኣለዋ።ካብአንሲ ዋላ ሓንቲ ዝተጠቅሰት የላን።ግን ኣነን ንስኻንሲ ተቀሪብናዶ ንህሉ።እህም ክንደይ ግዜ ኢና ኾን ንባዕልና ኣብ ህይወት ዘየላና ንሰባት ኣብ ህይወት የለዉን እንዳበልና ክንፈርድ ንውዕል፡ናይ ሓቂዶ ጎይታ ምስ መጸስ ከምቲ ንሱ ዝጽበዮ ኮይና ንጸንሖዶኾን ንኸውን።ናይ ሓቂ ዓቢ ጸገም ኢዩ፡ከምኡ ኮይና ተዘይ ደኣ ጸኒሕና።
ቀሺ ጓሳ ዋላ ሰባኺ ሃዋርያ ዋላ መጋቢ ዲያቆን ዋላ ጳጳስ ዋላ ፓትሪያርክ ዋላ ምእመን ዋላ፡ዝኾንካ ኹን፡ኣይፈለጥኩን፡ጎይታ ግን ሎሚ ንዓይን ንዓኻን ይጽውዕ ከም ዘሎ ብሓቂ ይነግረካ ኣለኹ።ንሱ ይመጽእ ኣሎ፡ግን ቅድም ምምጽኡስ ንሕና ካብዚ ተለኺፍናዮ ዘለና ሕማም ተፈዊስና ክንጸንሖ፡ቅድመ ተፈዊስኩም ጽንሑ ደሃር ከኣ ኣብቲ መርዓ ትኣትዉ፡ይብለና ኣሎ።መን ኮን ኢዩ ዝሰምዕ።
ሎሚ ቂም በቀል ህልኽ፡ርእሰ ፍትወት፡ይኣኽለኒ ዘይምባል፡ሓሶት መንቂ ክፋእ፡ተንኮል፡ኣሕሊፍካ ምዉሂሃብ፡ጽልኢ፡ኣነ ክርአ ምባል፡ቅንኢ፡ኣብ ልዕሊ ሓዊኻ ምልዓል፡ንሰብ ከተጥቅዕ፡ንሰባት መታን ከነሕጉስ ምንባር፡ኣብ ቅድመ ሰብ ጻድቃን ኮይና ክንርአ፡ልብና ክፋእ እንዳ ሓሰበ፡ብኣፍና ክምስ እንዳበልና፡ግንከ ክንናቆር ምድላይ ንነብሮ ዘልና እኩይ ድራማዊ ህይወት፡ጎይታ ይርእዮ ኣሎ።ክንደይ ኢና፡ኾን ንነፍስናን ንሞጎሳናን ንምትላል ናትና ስራሕና ኢልና ሒዝናዮ ዘለና።ኣገልግሎትና ን ኣገልግሎት መን ይመስል፡ንኣገልግሎት ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ዋላስ ን ኣገልግሎት ሃዋርያት፡ጎይታ ነዚ ህድእ ኢልና ክንፍትሾ ይደሊ ኣሎ።

ኣኺሉና ዲዩ፡ከይንምለስ ኣቢና።በቃ፡ንክርስቶስ ምንባር ተሪፉ፡ኣገልግሎትና ንስጋን ረብሓን ጠቅምን ጥራሕ ኮይኑ፡ንክርስቶስ ምንባር ተሪፉ፡ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ሸለል ኢልና በቃ፡ጎይታ ክንምለስ ብዓይኒ ፍቅሪ ብምጥማት ምሕረቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ስቅ ተበለ ብትዕግስቲ፡ንሕና ግን ኣቢና።መዝሙርና ስብከትና፡ዕዮና ኹሉ ፡መን ይብል፡መቸስ ኣብ ወንጌል ሽፍንፍን የሎን ወንጌል ብጋህዲ ኢዩ።ንክርስቶስ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲናን ይኹን ኣብ ዓይኒና፡ክሳዕ ዝሰኣል ጽዒርና ዲና፧ እንታይ ደኣ እሞ፡ገሊእና ንንጉስ ብምእዛዝ ነሕዋትናን ኣቦታቲናን ኣሕሊፍና ብምሃብ፡ምስ ዓለም ዕርክነት መሪጽና ኣሎና።ጾም ይጽወም ኣሎ፡እንታይ ዋጋ እሞ ኣለዎ፡ቤተ ክርስቲያን ከፊልካ፡ጾም ንጸውም ኣሎና።እንታይ እሞ ዋጋ ኣለዎ፡እንዳ ተጻላለምናን፡እንዳ ተፋላለናን !!።ጾም ንጸውም ኣሎና፡ግን ንገለ ካብ ኣሕዋትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዓመታት፡ተኣሲሮም፡ንሕና ከኣ መናፍቃን እንዳበልና ከነጸልሞም ንውዕል ኣሎና።ኣየ ንሕና ቀተልቲ ነፍሲ፡ቀተልቲ ነፍሲ!!።ሲኦል ጥራሕዶ ንኣቱ ንኸውን ዋላስ ካልእ ምርር ዝበለ ካብ ሲኦል መዓት ኢዩ ተዳልዩልና ዘሎ።ኣብ ቤት ኣምላኽ ድራማ ንገብር ንዓቅቲ ኣምላኽ፡ጸረፍቲ ኣምላኾም፡ፓትሪያርክ ገበን ዘይብሉ፡ስለ ስም ኢየሱስ ጥራሕ ክእሰር ብምፍራም ገሊእና ከኣ ምስ ፈረምቲ ብምሕባር፡ነቲ ኣብ መዝሙር 1:2 ዘሎ፡ ሸለል ኢልና ኣብ ጉባኤ ሓጥኣን ብምጽንባር፡ኣብ መንበር መላገጽቲ ብምቅማጥ፡ንክርስቶስ ዳግማይ ንሰቅሎ ዘለና እኩያት ዓየይቲ።

 

ተመለሱ ንዝበለና ኣይንሰምዕን፡ንስለ ስርዓትና ክንብል ቃል ኣምላኽ ነፍርስ።ኣየ ንሕና፡ እቲ መዓት ክጅምር ከሎ ግን በኣና ኢዩ ክጅምር።ቃል ኣምላኽ (ሮሜ8:1)እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኹነኔ የብሎምን።እንዳበለ ንብክርስቶስ ዘለዉ ሰባት ስለስርዓትና ክንብል ንፈርድ፡ዲያቆን ንድያቆን ይፈርዶ፡ካህን ንኻህን ይፈርዶ፥ጳጳስ ንጳጳስ ይፈርዶ፡ክሳዕ ብቪዶ ዝተቀረጸ ኣሳእል ናይ ሰባት ገይሮም እዚኦም ከምዚ ዝበሉ ኢዮም፡ካብኦም ተጠንቀቁ ዶ ክብሉ ኣንቢብኩም ኣለኹም።ናይ ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ናይቶም ኣብኡ ዘለዉ፡ዝክሰሱሉ ተደኣ ሓቲትኩም፡ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይዕበ፡ንዕኡ ክብሪ ንሃብ ስለዝበሉ ጥራሕ ኢዮም።ነዚ ብምባሎም ግን ከም ገበነኛታት ብብጾቶም፡ስሞም ክጽልምን ክዋረዱን ንርእይ፡ጎይታ፡ነታ ትዝሙ ጸኒሓትና ኢሎም፡ዘምጽኡሉ ሰበይቲ፡ብዳርባ እምኒ ክትመውት ክፈርደሎም፡ናብኡ ምስ ኣምጽእዋ፡ "እቲ ሓጥያት ዘይብሉ፡ሰብ ቅድም እምኒ የውድቀላ "ኢዩ ዝበሎም።እቶም ከሰስቲ ድማ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ሓሓጥያቶም ዘኪሮም፡ንበይና ገዲፎማ ከዱ።ሎሚ ግን በቃ፡ነዚ ቃል እዚ መዓልታዊ እንዳ ኣንበብናዮ፡ስለዘይኣመናዮ፡ን ወንጌል ንስለ ባህሊ ጥራሕ ንነብረሉ ስለዘለናን፡ንክርስቶስ ከነመስግን ኢና ክንውድስ ኢና ጥራሕ ንዝበሉ ሰባት ፡ኣብ ዓይኒና ዘሎ ጉንዲ ከይረኣና፡እምኒ ክንድርቢን ንርአ ኣሎና።በዚ ገርኩም ተዘይ ወዲስኩም ከምዚ ገይርኩም ተዘይ ዘሚርኩም ክትመቱ ኢኹም፡ኩንን፡ኣብየት ጎይታስ ምስ መጸ ከመይ ኮን ክኸውን ኢዩ።
 
ካልእ ስለዝበለ ተዝኸውን  ምኽንያት ዶኾን ምሃለወ ግን ክርስቶስ ንበል ስለዝበለ ጥራሕ እንበር።ኣየ እቶም በዚ ዝሓለፉ ቅዱሳን ሃዋርያት ተዝሕተቱስ እንታይ ኮን ምበሉ።ንክርስቶስ ዝኣምን መናፍቅ ክትብሎ፡ስርዓትካ ስለዘይተቀበለ፡እቲ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን  ዝተባህለ ቃል ጽባሕ ጎይታ ምስ መጸ ኣብ እዝንና ክብለና ኢዩ።(ማቴ15:3)ንሱ መሊሱ በሎም፡ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣለኹም"ጽሑፍ ኢዩ።እዚ ቃል እዚ ንዓይን ንዓኻን ኢዩ።፡ኣንባቢ፡መን ኢኻ ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ እቶም ንክርስቶስ ዘገልግሉ ሰባት ኢድካ ከም ተዋጣውጥ ግን ብርግጽ ይብለካ ኣለኹ።ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንኣምላኽ ኢዮም እኮ ዘገልግሉ ነይሮም፡ንሰይጣን ኣይኮነን፡ዘገልግሉ ነይሮም።እቲ ስርዓቶም ከኣ ሙሴ ዝኣክል ነብይ ዝሓንጸጾ ኢዩ ዝነበረ፡ግዳ ንስርዓቶም ቅድመ ህይወት ይሰርዕዎ ኣይነበሩን፡ሰብ ስርዓት ተዘይ ገይሩ ህይወት የብሉን ይብሉ ነይሮም፡ኣብ ጎይታ ግን ከምኡ ኣይኮነን፡ንሳቶም ምእንቲ ስርዓቶም ነበሩ። ቃል ኣምላኽ የፍርሱ ነበሩ፡ስለ ስርዓቶም ክብሉ ፡ንሰባት ንጥፍኣት ኣሕሊፎም ይህቡዎምን ይሰጉዎምን ፡ይፈርዱዎምን ነበሩ።መቸስ ሰይጣን ብህልኽ ሒዙና ስለዘሎ ነዚ ብፍላይ እቶም በዚ ክፉእ መንፈስ ምፍሊላይን ምኽሳስን ምጽራፍን ምስጓጉን ዝተተሓዙ ሰባት ከምዘይሰምዑ ርግጽ ኢዩ፡ግን  ነዚ ሎሚ ዘንቢቡዎን ዝሰምዕዎን ዘለዉ እኳ ክሕተትሉ ኢዮም።
ሎሚ ጽድቂና ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዚዩ፡እንተዘይ በዚሑ፡ኣብ መንግስቱ ከቶ ኣይክንኣቱን ኢና፡ከምኡ ኢዩ ዝብለና፡ቃሉ።(ማቴዎስ5:20)ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዚዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።ጽድቅናስ ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ይበዝሕዶ ይኸውን፧ ኣይበዝሕን ኢልና ስቅ ክንብል ኣይኮነን ጎይታ ዝደልየና፡ጎይታ ዝደልየና ዘሎ፡ግን ህይወትና ፈቲሽና ናብኡ ክንምለስ ይደሊ ኣሎ።ሎሚ ርእስና ክንምርምር ይግበኣና።ናብቲ ዝበለጸ እግዚኣብሄር ዘዳለዎ ምዕራፍ ክንሳገር ተደኣ ኮይና፡ግድን ግድን ልብና ክንቀድድ ይግበኣና።ኣብ ስራሕ ኣምላኽ ኢድና ኣይነእቱ፡ንቅጽና ኣይነብዝሕ፡ድፍረት ኣይነብዝሕ፡ንሕና እኮ፡ካልእ ሓሊፍናስ ክሳዕ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጽራፍ መልሓስና፡ንስሕል ሰባት ኢና ተቀይርና ዘለና።ጎይታ ይመጽእ ኣሎ፡ብዛዕባ ህይወትና ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ህይወት እቶም ዘዐንቀፍናዮምን ዝሰጎግናዮምን ሰባት ህይወት ከይተረፈ ካብ ኢድና ክደልዮ ኢዩ፧።ንሕና ነዚ ኣገልግሎት ናትና መሲሉና ንጉይተት ኣሎና፡ጎይታ ምስ መጸ ግን መሬት ክትጸበና ኢያ፡እዚ ዘጽድቀና መስሊና ንገብሮ ዘልና ድማ ተመሊሹ መሕተቲና ክኸውን ኢዩ፡እዚ ድማ ን ኣምላኽ ብዘሕጉስ ኣገባብ ገርና ነቅርቦ ስለዘየለና ኢዩ። ዕዮ ኣምላኽ ምዃኑ ክበርሀልናን፡ኢድና ኣብ ኣፍና ከነንብር፡ገሊእና ምፍታርና ክንምርቅ ገሊእና ግን ምፍጣርና ክንጸልእ ኢና። 
 
 
 
 

ግን ኣበይ ኣላ እታ ፍቅሪ፧ ጎይታ ቅድመ ኩሉ ዝሰርዖ ፍቅሪ ኢዩ።ተጻሊእናን፡ተባኢስናን ከለና ቅዱስ ቁርባን ንሰርዕ፡ንህዝቢ ነቁርብ፡ንህዝቢ ንምህር ወይ ድራማ፡ እቲ ክርስቶስ ዝመተሉ፡ንፈልጦ ብዘረባና ቀቲልናዮ፡ኣብ ገዛ ተዓኽሊሉ ኣሎ።እቲ ሓደ ኸኣ  ዓቅሉ ጸቢቡዎ፡ዕንይንይ ይብል ኣሎ፡ኣብየት እዚ ኣምላኽ ክዕገስ፡ስለ እዚ ኹሉ ትዕግስቱስ ን ኣምላኽ ኣመስጊናዮዶኾን ንፈልጥ?።
ብሓቂ ይብለካ ኣለኹ፡ሎሚ ብሓቂ ኣማኒ ክርስቶስ ተደኣ ኮይንካ፡ኢድካ ናብ ካልኦት ምውጥዋጥ ገዲፍካ፡ኣብ ልዕሊ ህይወትካ ክትፈርድ ትጽዋዕ ኣሎኻ፡ንመን ኮን ኢና ንመስል።ጎይታ ዝጸወዐና ንዕኡ ክንመስል ኢዩ።ግን ንሕና ንመን ክንመስል ኢና ንጽዕር።ንሰባት ዋላ ነቲ ህያው ዝኾነ ህይወት ዝህብ ኣምላኽ፡ንሰባት ንመስል ተደኣ ኮይናኸ ደኣ እቶም ሰባት ናይ ብሓቂዶ ንክርስቶስ ይመስልዎ ኢዮም።ቅዱስ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ፡ከምቲ ኣነ ዝመስሎ ዘለኹ፡ንስኹም ከኣ ንዓይ ምሰሉ ኢዩ ዝበለ።እሞኸ ንመንኮን ኢና ንመስል።ግንከ ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና  ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ልብኹም ኣይተትሪሩ ይብለና እግዚኣብሄር።ኣምላኽ ዝሰምዕን ዘስተውዕልን ልቢ ይሃበና።(ዕብ3:8)ኣምላኽ ዘስተውዕል ልቢ ይሃበና።

No comments: