Post più popolari

Tuesday 2 December 2014

1ይ ክፋል ህጂ እውን ከቶ ንክርስቶስ ምግልጋል ኣይክንሓድግን ኢና፡ቤት ኣምላኽ ድማ ኣይክንሓድግን ኢና።ኣይሕሰብን 'ዩ ኣይሕሰብን'ዩ።

1ይ ክፋል 


ህጂ እውን ከቶ ንክርስቶስ ምግልጋል ኣይክንሓድግን ኢና፡ቤት ኣምላኽ ድማ
ኣይክንሓድግን ኢና።ኣይሕሰብን 'ዩ ኣይሕሰብን'ዩ።(ነህምያ 10;39)
 
ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ዝብሉ ካብ ፍቅሪ ኣምላኽ ንሰብ ክፈልዩዎ ክዓዩ፡ንርእየሉ ዘለና ክፉእ ዘመን ኢና በጺሕና ዘለና።ክንዲ ነተን ኣባግዕ ምእካበን ደስ ዝብሎምሲ ኣዒንቶም ደም ዝመልኦም፡ካብቲ ዝተበጀወለን ክርስቶስ ክፈልዩወን ላዕልን ታሕትን ክብሉ፡ንይእክብወን ኢዮም ኢሎም ዝገመቱዎም ጓሶት ድማ ክወቅዕዎም ማንትጎም ከተዓራርዩን ፍላጻ ክውርዉሩን ንርእየሉ ዘለና ዘመን ኢዩ።
ግዳ ዋላኳ ንሶም ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ክፈልዩና ለይትን መዓልትን ተጸዓሩ ንሕና ግን ኩሉ ግዜ ንክርስቶስ ከነምልኾ ኢና።ደጊምና ነቶም ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ክፈልዩና፡ኣብቲ ንሶም ዝጣላቀዩዎ ዕያግ ሓጥያት ስለዘይተጣላቀና፡ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ።(1ይ ጴጥሮስ 4:4)ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ አለዉ። ከም ዝበሎ፡ምሰኦም ሓቢርና ኣብ ክፋእ ኣምላኽ፡ኣብ ቤት ኣምላኽ ተቀሚጥናስ፡ ንኣምላኽ ዘግህዮ ስለዘይገበርና። ጉህዮም ዝሕንሕኑልና ዘለዉ፡ጽልመተኛታት ፍጹም፡ ፍጹም ፍጹም ፍጹም፡ዋጋ ዕዳጋ የሎን ብስም ክርስቶስ ንብሎም።
ኣገልገልቲ ምትሃት ካብ ህዝቢ ከነጽሉና ኢዮም፡ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ።ንሕና ግን ንስም ክርስቶስ ካብ ህዝቢ ዘይኮነስ ካብ ህዝቢታት ክንጸል ዱሉዋት ኢና።ስለ ስም ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ነጊርኩም ተባሂልና፡ክንዋረድ ክንሓስር፡ክንጽረፍ፡ፍታውና ኢዩ።ህጂ ድማ ንእውጅ ኣሎና፡ኣዋጅ ኣዋጅ ኣዋጅ ፡ኣንኳንዶ ንክርስቶስ ዘየፍቅርን ዘይፈቱን ሰብሲ፡ኦምን ብዘሎ ፍጥረትን እንተኾነ እኳ ካባና ተጸሪጉ ይጥፋእ ንብል ኣሎና።ዓለም ንዓና ክርስቶስ ዘይብሉ፡ባዶ ኢያ፡ኣብ ምርካስ ኪዳኑ ከይንሳተፍ ምሒልና ኢና።ንሓላፊ ክብሪ፡ሰብ ከኽብሩና፡ሰባት መታን ክሰምዑና፡ሰባት መታን ከጣቅዑልና፡ከይንጽረፍ፡ከይንስደድ፡ከይንስጎግ ፈሪሕና ንድምጺ ዓለምን ምስላን ከይንሰምዕን ከይንእዘዝን፡ምሒልና ኢና።ንሕናስ ምስ ክርስቶስ ሓሳር መሪጽና ኢና።(ዳዊት 84:10)ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ አብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ አብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ አብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።
እቶም ከምዚ ተበልናዮም ኢና፡ዕዮ ወንጌል ዘቋርጽዎ ፡ከምዚ ተገበርና ኢየን፡እተን ኣባግዕ ዝገልባ ኢሎም፡ነተን ኣብቲ ሰውሒ ክበልዓ ዝተኣኻኻባ ዘለዋ ኣባግዕ ከግልብወንንን ክበታትንወንን፡ናይ ስጋ ሓሲቦም ብስጋ ዝምህዙን ፡ስጋዊ ተንኮል ዝምህዙን፡ኣብ ምእላም ተንኮል፡ዝውዕሉ፡ውጹዓት፡ ንብሎም ተደኣ ኣሊዩ፡ወንጌል ወይ ሞት፡ኢየሱስ ክርስቶስ ወይ ሞት፡በቃ፡ይቅበጽ ጸላኢ ይቅበጽ እቲ ከሳሲ።ፈቀዶ ገዛ ገዛ፡ፈቀዶ ቤተ ቤት እንዳ ዘወረ ስም ሰብ ዘኽፍእ፡ስጋና ሓሊፉ ኣብ ዓጽሚና ዝሓለፈ፡ናይ ሕይሜታ፡ስጋ ሰብ ከም ሽጉርቲ ቀርዲዱ ዝበልዕ፡ናይ ጥፍኣት መንፈስ። ንብሎ እንተሎ ሓደ ነገር ኢዩ።ንሕና እሮማይ ከም ቅዱሳን ኣቦታቲና ንወንጌል ምሒልና ኢና፡በቃ ዋላኳ ፡ስቅ ክንብል ተፈተና፡ግን ልብና ፍቅሪ ክርስቶስ ከም ሃዋርያት ስለዝመለአ ኣይተኻእለን ።ነቲ ኣብ ኣፍና ዝመጸ ቃል መንፈስ ቅዱስ ክንዓጽዎ። ኣይከኣለናን ኢዩ።ልብና ድርሳናትና ንኢየሱስ ንንጉስ ይብል ኣሎን ክብል ኢዩን፡ክብሪ ንስሙ።
 
ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሃርናዮ፡ነፍስኻ ምቅባጽ ኢዩ።(ሉቃስ 9:23)ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።ከም ዝበሎ፡ኩሉ ግዜ መስቀልና ተሰኪምና ክንስዕቦ መዲብና ኢና።ካብ ሃዋርያት ዝወረስናዮ ኸኣ ስለወንጌል ፡ክትዋረድ ድሉው ምዃን ኢዩ።ስለ ወንጌል ምሕሳር ኢዩ።(ዕብራውያን 11:38)ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ኣየናይ ካብ ቅዱሳን ኢዩ፡ወንጌል እንዳ ሰበኸ ሰባት ዘጣቅዕሉ፡ብዘይካ ነቶም መስሓትን መታለልትንሲ ነቶም ናይ ሓቂ ሃዋርያት ዓለም ልባ ምስ ኣድረቀት ኢያ፡እንበኣር ንሕና ናቶም ዘርኢ ኢና።ንሕና ናይ ክርስቶስ ኢና፡ዓለም ነቶም ስም ሰብ ኣብ ምኽፋእ ዝለመዱ መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ክትሰምዖም ትኽእል ኢያ፡ስለምንታይ ንሳ ናቶም ኢያ።ንዓና ግን ንዕኡ ስለዘይሰምዓቶ ኣይትሰምዓናን ጽሑፍ ኢዩ።(ዮሐንስ 15:19)ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።
ቃሉ ኣይሕሱን፡ሎሚ እዚ ቃል እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ እቲ ሓቂ ቃል ዝኾነ ክወርድ ግቡእ ኢዩ። ኣየናይ ቅዱስ ኢዩኸ ክስቶ ከምዚ ኢሉ ኢሉ ብዛዕባ ሓጢያት ኻልኦት ሰባት ዝሰበኸ፧ ኣየናይ ቅዱስ ኢዩኸ ዝሰጎጎ፡ንሳቶምሲ ተሰጎጉ ደኣ።ሎሚ ግን ኣሳእናን ይመስላ ኣብ እግርናን ዘይኣትዋ፡ከም ዝበሃል፡ቅዱሳን ዝመስሉ ፡ካህናት ኢና ዝብሉ ግን፡ዲያቆናት ኢና ዝብሉ፡ሰበኽቲ ኢና፡ዝብሉ፡መራሕቲ ኢና፡ዝብሉ፡ጓሶት ኢና ዝብሉ፡ወንጌላውያን ኢና፡ዝብሉ፡ግንከ ምስቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ ዘይብሎም።ጽወዐኦም ዘይፈለጡ፡ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ምድጊጋም ከም ሰይጣን ደስ ዘይብሎም፡ኣብ ቅዱስ ስፍራ ዝበቆሉ ክርዳዳት፡ ክሰጉን ስም ሰብ ኣብ ምኽፋእ ክውዕሉን፡ንሕና ወንጌል ንሰብኽ ንሳቶም ከኣ መስፈር ኣቦኦም ዲያብሎስ ብምምላእ፡ክስቶ እኮ ከምዚ ኢዩ ።ክስቶ እኮ፡ክብሉ ዝውዕሉ፡እኩያት ዓየይቲ ንርእይ ኣሎና።(2ይ ቆሮንቶስ 11፡13-15) ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።14ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።15ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ። 
ቅዱስ ጳውሎስ ንዓይ ምሰሉ ኢሉና፡ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ንክርስቶስ ይመስል፡እዚኦምከ ንመን ይመስሉ፡ንሰብ ክስቀል ሻማ ሻማ ዝብሉ፡ንሰብ ክስቀል ከም ይሁዳ ገንዘብ ዝቅበሉ፡ክብሪ ክረኽቡ ሃንቀው ዝብሉ፡ዝወደቁ ከዋኽብቲ።ብፍረኦም ከተለሊዩዎም ኢኹም ከም ዝበለና ወንጌል እንበር ሎሚ፡ነቶም ኣነ ኢየ፡ቅኑዕ፡ ክስቶ ኢዩ ጉጉይ ከምዚ ምህረኩም ዘሎ፡ዝብሉ ዘለዎ ቃል ክርስቶስ ዘሳሕዮም፡መራሕቲ ናይ ጥፍኣት ጀላቡ፡ብፍረኦም ክንፈልጦምን ኣብተን ጀላቡኦም ከይንስቀል ክንጥንቀቅን ይግባእ። (ማቴዎስ 7:20)እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።እቲ ፍረ ሃዋርያት ይስጎግ ኣይሰጉግን። ስሙ ይኸፍእ ስም ሰብ ግን ከቶ ኣየኽፍእን፧፧፧!!! 
እንተ ንሕና ግን መሪጽና ኢና።ንስም ክርስቶስ ስምና ክጽልም ዘይኮነስ ፡ህይወትና እውን ክንህብ፡ካልእ እኳ ክወርደና፡ድሉዋት ኢና።ኣንኳን ንክርስቶስ ነቲ ዝሞተልናስ፡ንሰብ እኳ ንግፋዕ ንገባሪ ጽቡቅና።ኢየሱስ ግዳ ዝኸፈለ ዕዳና።እንበኣር ሎሚ ጽባሕ ስለ ስም ክርስቶስ ክንሓስር ዱሉዋት ኢና።ን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰብኮ ብቃላት ክግለጽ ዘይክእል ፍቅሩ ስለዝሓደረና ደኣ ኢዩ፡እንበር ይግበር ኣሎ ኢልና፡ወይሲ ሃይማኖታዊ ስምዒት ኣባጋጊሱና፡ኣብ ዘይተረደኣና ብስምዒት ኣይኮናን ግን ኣፍቂርና፡ ክበር ንገስ ልዕል በል ኮይኑ ኣሎ ቋንቋና !!፡ብግዝየን ኩነታትን ዘይዕንቀፍ እንዳ ሓደረ ዝሰርጽ ወሓዚ ፍቅሪ፡እዋእ ጥራሕ ንፍቅሩ ዘይጠዓሙዎ።ካብዚ ፍቅሪ ክርስቶስ እንበኣር ዝፈልየና የሎን፡የሎን፡የሎን፡በቃ ክርስቶስ ንዓና መኒነትና ኢዩ።እቲ ኩሉ ኣባና ዝገብርዎ ንዕኡ ስለዘይፈልጡ ኢዩ።ስለምንታይሲ ንሱ ኢሉና ኢዩ።(ዮሐንስ 15:21)ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።ከም ዝበሎ ሰኣን ምፍላጦም ኢዩ፡እሞ ኣይንሕዘሎምን።
ክብሪ ነቲ ንብዓትና ኣብ ጭልፍኡ ዝእክብ ጎይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ልዑለ ባህሪ ዝኾነ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን።(መዝ 56:8
)ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧
ይቅጽልል ናብ 2ይ ክፋል
    ብ/ ቀሺ ሙሴ ሺሻይ

No comments: