Post più popolari

Friday 12 December 2014

ዕሽር

1ይ ክፋል
ዕሽር

ሰላም ኣምላክ ንዓኹም ይኹን ፍቁራትን ኩቡራትን ኣቦታተይን ኣዴታተይን ኣሕዋተይ ኣሓተይ።ጸጋ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን።ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ንርእዮ ተደኣ ኣልዩ፡መንፈስ ቅዱስ ብዝመርሓና መሰረት፡ብዛዕባ ዕሽር ኢዩ።ዕሽር ዝብል ነገር ሰሚዕኩም ክትኮኑ ከም ትኽእሉ እምንቶ ኣሎኒ፡ግዳ ሪዲኢትኩም ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል ኢዩ።
ስለምንታይ ኢዩ፡ገንዘብና በረኸት ንስእነሉ፡ስለምንታይከ መዓልታዊ ህይወትና ዕግበት ዘይንረኽበሉ፡ስለምንታይ መዓልታዊ ህይወትና ዓወት ዘይብሉ፧ ስለምንታይከ ውሽጣዊ ቅሳነት ዘይንረክብ፧ ወዘተ በረኸት ከይንረክብ ሽር ኣምላኽ ሰሪቅና ስለንነብር ዘለና ኢዩ።
ሎሚ ካብቶም መዓልታዊ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝመጹ፡ክርስቲያናት መብዛሕቲኦም ኣይኸፍሉን፡ታሪፍ ጥራሕ ንስለ ማሕላ ይህቡ።እታ ሓያል ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኮነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ሓይሊ ካበይ ኣምጺአንኦ ተደኣ ኢልና፡ህዝበን መባኡን ዕሽሩን ስለዝኸፍል፡ኤርትራውያን ግን ዕሽር ኣምላኽ ሰሪቅና ስለንኸይድ ኢዩ።ዕሽር ማለት ማክብ እቲዋትካ ሓንቲ ካብ ዓሰርተ ምሃብ ማለት ኢዩ።ሎሚ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ወጻኢ ይርከቡ፡ተኾነ ኢዶም ንዕሽር ኣይፍታሕን፡ጓይላን ሓላፊ ወርቅን ብሩሩን ንዝፈርስ ዘይነብሩሉ ገዛ ንምስራሕን ግን ዶላራ ከፍሲሱ ኢኻ ትርእዮም፡ብገንዘብ እውን ክበኣሱን ሰላም ክስእኑንን ንርእይ፡ነዚ ቤተ ክርስቲያን ደው ኢላ ክትምህረሉ ግዴታ ኣለዋ፡ስለምንታይ ደቃ ኦሽር ብምስራቆም ኣብ መዓት ኣምላኽ ከይወድቁ ካብ በረኸት ኣምላኽ ከኣ ከይተርፉ።
ክሓተካ ኢየ፡ኣብ ወርሒ ወይ መዓልቲ ክንደይ እቲዋት ኣሎኳ፧
እዚ ነቶም ዑቅባ ሓቲትና እሞ መንግስታት ዝሕግዘና ብዱጎማ እተን ንነብረለን ዘለና ሃገራት፡እንኮላይ የጣቃልል።ዕሽር ምሃብ ካብ ዝሰራሕካዮ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ካብ ዝሃቡኻ መቅሺሽካ ኢሎም ዲዩ ንመግብኻ ኢሎም፡ካብ ዓሰርተ ቅርሺ ሓንቲ ምሃብ ማለት ኢዩ።ኣብ ሓደ ዓዲ ምስ ከዲኩ ሓደ ሰብኣይ ዝሓተተኒ ነይሩ፡ሕራይ ካብቲ ዝሃቡናስ፡ንህብ ግን ናይቶም ደቂና፡ትሕቲ ዕድመ ኢዮም፡ናይ ትሕቲ ዕድመስ ዝሃቡዎምሲ ከመይ ገይርና ኢና ካብኡ ንህብ ኢሉኒ።
ዕሽር ኣብ ንህበሉ ግዜ ካብ ኩሉ እቶቲና፡ካብ ኩሉ ናብታ ገዛ ዝኣቱ ኢና ንህብ።እቲ ንደቂና ዝህብዎ፡ገንዘብ እውን ንሶም ኣካል ናይታ ስድራ ስለዝኾኑ፡ግድን ኢዩ ዕሽር ክወሃብ ካብኡ።ተወሳኺ እውን ናቶም ኢዩ፡ኢልና ንመግቦም ፈሊና ብምግዛእ ዝተረፈ ኣይነቀምጠሎምን ኢና እኮ፡ኣብቲ ዘዲሊየና ግዜ ኣብ ደስ ዝበለና መዓላ ከነውዕሎ ንወስዶ ኢና።ስለዚ ካብ ኩሉ ዝህቡና ዲዩ፡ካብ ኩሉ ንረኽቦ ኦሽር ምሃብ ክንለማመድ ኣሎና።
ከምቲ ኣቀዲመ ኣብ ኩሉ ነገርና ዓወት ዘይብልናን ሰላም ዘይብልናን ቅሳነት ዘይብልናን፡ዘይዕሩፋትን ንኸውን ሰረቅቲ ስለዝኾና ኢዩ።ኣይትስረቅ ትብል ትእዛዝ ሓንቲ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኮይና።ኩሉ ግዜ ኢና ንነፍስና ቅኑዓት እንዳ ኣምሰልና ክንስና ግን ንሰርቅ እቲ ንሰርቆ ድማ ካብ ሰብ ከይኸውንሲ ካብ ኣምላኽ የቅሊሎ፡ይብላ ነበራ ንዓባይ ሃንሱሲ::
ህዝበይ ግብርና የቂሊሎ ኢዩ ዘብል።ካብ ኣምላኽ እንዳ ሰረቅና ነቶም ካብ ሰብ ዝሰረቁ ሰባት ግን ሰረቅቲ ኢልና ንጸርፍ።ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ እኮ፡ከምኡ ኢሉና፡ሰረቅኩሙኒ፡ናብታ ቃል ነብል።ከይወሰኽኩ ከይነከኹ።(ሚልክያስ 3:8)ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ∶ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ∶ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።(ሚልክያስ 3:9)ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም። ነዚ ሎሚ ሃገራዊ ነስሓ ከም ዘድልዮ ይእውጅ ኣለኹ።ሃገራዊ ንስሓ፡ክንደይ ግዜ ዕስር ከይከፈልካ ሓሊፍካ ኣሎዃ፡እቶም ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘይከድካ መዓስ ኮይኑ ኣምላኽ ልቢ ኢዩ ዝርኢ ትብሉ እውን ክትጥንቀቁ ኣለኩም፡ዕሽርከ እሞ ትኸፍሉዶ። ምጽዋት ማለት ንድኻታት ኮነ ጽጉማትወይ ቤት ኣምላኽ እትህቦ ብፍታውካ ኮይኑ፡ዕስር ግን ግድን ኢያ።ዕሽር ዘይትከፍል ተደኣ ኮይንካ ሰራቂ ትኸውን።ይቅጽልል ናብ 2ይ ክፋል
ብ /ቀሺ ሙሴ ሺሻይ
fathermussieshishay@gmail.com

No comments: