Posts

2ይ መልእኽቲ ልደት

Image
2ይ መልእኽቲ ልደት እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።(ሉቃ2፡10)                                                     ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ(ሉቃ2፡10)                                       ኩቡር ኣንባቢ ሎሚ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልደቱ ከም ዝተሓጎስካ ፍቅርኻ ኣርእዮ።ሎሚ ኣብ ክርስቶስ ዘይትነብር ዘይትንሳሕ፡ምስኡ ርክብ ዘይብላ ሂወት ሒዝካ ትነብር ተሊኻ ብሓቂ ክርስቶስ ኣይተወለደን ኣሎ ኢልካ ንልደቱ ትኽሕድ ኣለኻ ማለት ኢዩ።ሎሚ ልደት መዓልቲ ክንዲ ናብ ቁርባንን ጸሎትን ንስሓን ናብ እንዳ ሳዕሳዒትን ጓይላን ባንድን ትጎዪ ተሊኻ፡ከምቲ ንክርስቶስ ንምሕራድ ዝተጓየየ ሄሮዶስ  ትጓዓዝ ከም ዘለኻ ፍለጥ።ሃገርና ክትባረኽ ፡ስድራና ምዉቅቲ ክትከውን ፡ቤትና ክትባረኽ ሎሚ ንክርስቶስ ኣብ ቤትና ኣብ ገዛና ስብ ሂወትና ክውለድ ተፍቂድናሉ ጥራሕ ኢዩ። ልደት ማለት ትርጉሙ፡ክርስቶስ ንምንታይ ተወሊዱ??፡ ኣምላኽ ከ ስለምንታይ ኢዩ ክሳዕ ክንዲዚ...

1ይ መልእኽቲ ልደት

Image
1ይ መልእኽቲ ልደት ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።(ሉቃ2፡10)                                                        ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ብስራት አበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።                                           እንቋዕ ናብ ብሩኽ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዓና።ልደት ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ክልኦት ልደት ዘይኮነስ ፍሉይን ኣገዳስን ልደት ኢዩ ዝነበረ።በዚ ድማ ኢዩ፡ እቲ መልኣኽ ነቶም ኣብ በረኻ ማሎም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት “እንሆ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ ኣበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ ኢሉ ዝተዛረቦም።ልደት ናይ ማንም ሰብ ነቶም ስድርኡን ነሕዋቱን ነቡኡን ነደኡን ኢዩ ዝንገሮም።ልደት ጎይታ ግን ንኹሉ ዝኸውን ስለ ዚነበረ፡ እቶም መልኣኽታት ነቶም ጓሶት መጺኦም ከንግሩ ኣድለየ።በዚ ድማ ካብ ርሑቅ ዝመጹ ሰበጥበብን፡ካብ በረኻ ዝመጹ ጓሶትን፡ካብ ሰማይ ዝመጹ መልኣኽታትን ፡ምስኡ ዝጸንሑ፡ኣደኡን ዮሴፍን ብሓንሳእ ተሓጎሱ።ጎይታ ነዞም ኩሎም ፍጡራን ብሓደ ክሕጎሱ ዝገበረሉ ተነይሩ ኩላትና ብልደት ጎይታና ተሓጊስና ንዕኡ ከነኽብር ኢዩ...

ናባኻ ክጥምት

Image
ናባኻ ክጥምት ናብ ላዕሊ ክጥምት ናብ ሰማየ ሰማያት ን ልበይ ክፈቶ ኣታ ህያው ኣቦ ምሕረት ብዘይኻ ኣነስ የብለይን ሂወት ሓግዘኒ ኣብ ቃልካ ክዕወት ናብ መስቀልካ ክጥምት ሂወት ከይስልችወኒ ከይዕውን ብምኽሪ ዓለም ንስኻ ከተጽልለኒ ኣይትርሓቅ ካባይ ጎይታይ ምኸረኒ የማነይትኻ ትሕቆፈኒ ጸጋመይትኻ ትደግፈኒ ኣብ ዛ ምድሪ የብለይን ተስፋ ንስኻኻ ዘለኻኒ ናብ ላዕሊ ናባኻ ክጥምትሲ ሓይልኻ ሃበኒ ን ሰባት ከይፈርሕ ን ሓሶት ከይነብር መታን ክንኣድሲ ን ቃልካ ከይቀብር መዝሙርካ ገዲፈስ ንኻልእ ከይዝምር ን ቤትካ ጎይታየ ምስ ካልእ ከየመንዝር ናብ ሲኦል ክመርሖም ንሰባት ከይጥብር መንፈስ ካ ክትሰዶ ናባይሲ ናባኻ የንቃዕርር ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ንልበይ ተርግኦ ብ ህያው መንፈስካ ንልበይ ተህድኦ ብእስትንፋስ ኣፍካ ነቲ እኩይ ተጥፍኦ ሓግዘኒ ኣምላኸይ ራእየይ ክሪኦ ነቲ እኩይ መንፈስ ብስልጣን ክወግኦ ነቲ መስኪን ህዝብኻ ካብ ባርነት ከውጽኦ ናባኻ ይጥምት ጎይታይ ንህላወኻ ክሪኦ እዝኒ ኣይቦን ሰባት ዝበሉ ይበሉ ንስኻ ስለ ዘለኻ ትፈልጦ ንኹሉ ንልበይ ጥራሕ ሃየ እስኻ ክበረሉ ንልሳነይ ቅባእ ንስምካ ከውሪየሉ የዒንተይ ኣብርሃዮ ከይነብር እስኻ ዘይብሉ ናባኻ ይጥምት ጎይታየ ምሳይ ክትህሉ ናብ መስቀልካ ክጥምት ናብቲ ትዕግስትኻ ከይነብር ኣብዛ መሬት ከምቶም ዘየኽብሩኻ ልቦና ሃበኒ ጎይታየ በጃኻ ካብ ኣብ ዓድስ ይሕሸኒ ምሳኻ ኣብ በረኻ እንዳተኻፈልኩ ጎይታየ ካብ እቲ ህያው ጸጋኻ ናባኻ ይጥምት ጥራሕ ኣዕጥቀኒ እቲ ሓይልኻ ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ዕጋበተይ ሓላፊ ነገር ክሽፍን ተጸዓረ የዒንተይ ኣለሊየዮ እየ ህጅስ ሓይሊ የብሉን ኣባይ ናባካ ጥራሕ ይጥ...

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን 10ይ ክፋል ይቅጽል::

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን  10ይ ክፋል ይቅጽል::          ብዙሕ ግዜ ን ኣማልድነት ዝብል ቃል ሰኣን ሰብ ምርድኡ ቤተ ክርስትያን ትፈርስ ትርከብ።ግን እስከ ነታ ኣብ 9ይ ክፋል ዝጀመርናያ ምምላድ ከነብርሃ። ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???። ብዙሓት ሰባት ኣብ ምምላድ ዘለዎም ኣረደድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ነኣሰ ይኸይድ ኣሎ።ብኸምኡ ድማ ኢዮም፡ክሳዕ ገሊኦም ብድፍረት ኣደና ማርያም ኣማላዲት ኣይኮነትን ክብሉ ከለዉ ገለኸኣ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን ኢሎም ይኽሕዱ።ገሊኦም ምስጢር ምምላድ ሰኣን ምርዳኦም፡ናብ ኣምልኾ ገጹ ክጠማዝዙዎን ክፈርዱን ክራገሙን ክሳዕ ሃይማኖታት ክቅይሩን፡ኣብ ኣዳራሻት ኮይኖም ክገንሑን ከለዉ።ገሊኦም ከኣ ንምምላድ ክሓዋዉሱዎን በዚ ድማ ብምድብላቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን፡ ብምባል ን ተበጃውነት ብምኽሓድ፡ዝገደደ ክሕደት ኢመጽሓፍ ቅዱሳውን ኢ ኦርቶዶክሳውን ክምህሩን ይርኣዩ። ብዙሓት ፈላጣትን ሊቃውንትን እኳ ተለዉ ግን ዓገብ ዝብሉ ኣይረኣኹን። ብሓቂ ድማ ይሓዝን መታን ከይትስደድ፡ጸርፊ ከይበጽሓካ፡ ከይትስጎግ ሽምካ ከይጽልም ዘይሽምካ ከይህቡኻ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡዎ ኢልካ፡ኩሉ ግዜ ከቢርካ ክትነብር ኢልካ ቃል ኣምላኽ እንዳ ተዓመጸ ስቅ ክትብልን ጸረ ናይ ቅዱሳን ትምህርቲ ጸርካ ክትከይድን ግን ዓገብ ደኣ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣማላድነት ን ቅዱሳን ጥራሕ ብምሓዛእ ክሕደት ይምህሩ ይርኣዩ ገሊኦም።፡እቶም ገሊኦም ድማ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣማላዲ ብምባል ን ኣምላድነት ቅዱሳን ክስርዝዎን ነዚ ከም ክሕደት ክቆጽርዎን ይርኣዩ ጸገሞም ግን ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ።ትርጉም እቲ ሰፊሕ ምስጢር ኣም...

ቃል ኪዳን

Image
                       ቃል ኪዳን ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ፡ነቲ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ስርዓተ ቃል ኪዳን ክንምልእ ኢና።ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክትታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን”፡በለና። እቶም ሓደ ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን።ካብታ ቃል ኪዳን ዝኣስሩላ መዓልቲ ኣትሒዞም፡መማኽርትን መኻይድትን ፡መዛይትን፡ኣብ ሞት ኮነ ጸገም፡ተሓናገርትን፡ደኣ ኪኾኑ ኣለዎም እንበር።እታ ጓል ብዛዕባ ሓዳራ ሰብኣያ ገዲፋ ክትዛተ፡እቲ ሰበኣይ ከኣ በዓልቲ በይቱ ገዲፉ ምስ ኣዲኡ ክዛተን ክማኸርን፡ቀረባኡ ወለዱ ገይሮም ክርእይን ኣይግባእን ኢዩ። እው ብልክዕ ኢዩ።ንሕና ካብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተኾስኪሱ ዘይዓበየ፡ሕብረተ ሰብ ስለዝኾናን። ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ጥራሕ ኣብ ባህሊ ተመስረተ ሂወት ዝነበረና ሰባት ስልከ ዝኾና።፡ነቲ ምስጢር ተኽሊል ቃል ኪዳን ፍጹም ክሳዕ ህጂ ኣይተረዳእናዮን ዘለና።ስለ ዘይተረዳእናዮ ነቲ ምስጢረ ተኽሊል ድማ ኢና፡፡ካብ ሰበይትና/ወይ ካብ ሰብኣይና ኣደና፡ሓውና ሓፍትና፡ቤተ ሰብና ዝቀርቡና ኾይኑ ይስመዓና ኢዩ። እዚ ግን ኣጻር ቃል ኣምላኻ ኢዩ።ጎይታ ኣቦን ወድን፡ ኣደን ጓልን ሓደ ኢዮም ኣይበለን።ኣምላኽ ኣሕዋት ሓደ ኣካል ኢዮም ኣይበለን። ን ሰብኣይን ሰበይትን ጥራሕ ሓደ ኢዮም በለ።(ማር10፡8)ክልቲኦም ሓደ ስጋ ደኣ በሎም እንበር፡ክልተ ስጋ ኣይበለን።እሞኸ ኣካልካዶ ይቀርበካ ዋላስ ፡ካልእ ኣ...

ኣላትና

Image
                                    ኣላትና                               ኣላትና ጽብቅቲ ከተማ ትዳለወልና ኣላ ኣብ ሰማይ ተሰሊማ ሓዳስ ከተማ የሩሳለም ሽማ ሓዘን ጋሂ ወጽዓ ዘይብላ ብዘይካ ዕልልላ እህህታ ዘይብላ ንብዓት ካብ የዒንትና ዝድረዘላ ምስ ሕያዋይ ኢየሱስ እንጸናንዓላ ካብ ኩሉ ጸቅጢ ወጺእና ርእስና ነቅንዓላ ከተማ እቲ ገንሸል ትመጽእ ኢያ ዘላ ንልብና ከተዕርፎ ከነቃልሕ ዕልላ ኣላትና ዋላ ኣብዚ ምድሪ እንተ ጠዓመና ዓለምን ህዝባን እንተተላዕሉና ሃገር ኣላትና ሕዛእቲ በይንና ብሓጎስ ነነብረላ ናይ ኢየሱስ ዝኾና ገጽ ንገጽ ንርእየላ ምስ ልዑል ጎይታና ካብ ሰማይ ክትወርድ ኢያ መርዓት እቲ ገንሸል ምድማቃ ክቡር እምኒ ኢያስጲስ ትመስል ብኽያትና ከብቅዕ ኢዩ ክንብል ኢና እልል ኣብቲ ብወርቂ ዝተለበጠ  ከታማ ‘ትልዑል ክገሃደልና ኢዩ ሽዑ ክብሪ ናይቲ ልዑል ባዕሉ እቲ ልዑል ክኸውን ኢዩ መቅደስና ኩሉ ክንርስዖ ኢና ናይ ምድሪ ነገርና ብዘይ ዕንቅፋት ኣብኡ ከነምልኾ ኢና  ስሙ ክጽሓፍ እዩ ናይቲ ገንሸል ኣብ ግንባርና ናይቲ ገንሸል ዝፋን ክነብርዩ ምሳና ትመጽእ ኢያ ዘላ ትጽቢትና ኮንቱ ኣይኮነን እዛ ዓለም እዚኣ ክትሓልፍ ኢያ ግድን ግርማታትን ክብርን ኩሉ ክሓልፍ ኢዩ ግድን እቲ ዘጸይፍ ዝገበረ ግን ኣብዛ ትመጽእ ክፍሊ የብሉን ...

ኢየሱስ ይኹሕኲሓካ ኣሎ ክፈተሉ ??።

Image
            ኢየሱስ ይኹሕ ኲሓካ              ኣሎ በጃኻ ክፈቶ ??።                                  ክቡር ሓወይ ክንደይ መዓልቲ ኢኻ ኮን ን ኣምላኽ ልብኻ ዓጺካ እትነብር ዘለኻ !!!።ዘሕዝን ምርጫ ኢዩ።ናብ ገዛኻ ሓደ ፕረሲደንት ናይታ ዘለኻያ ሃገር ኣብ ገዛኻ ከዕርፍ ምሳኻ ክድረር ተዝብለካስ እንታይ ኮን ምተሰመዓካ?።ርግጸኛ ኢየ፡ብሓጎስ ከም እትቅበሎን፡ንብዙሓት የዕርኹትኻ እውን፡ ደዊልካ ዋው ፕረሲደንት እከለ እንድዩ ደኣ ከዕልለካ ክመጸካ ኢሉኒ።ኢልካ ገዛኻ ከም ተጸባብቅን ገዛኻ ከም እተጽርን፡ከም እትነግሮምን። እቶም ምስኡ ዝመጹ ኣጋይሽ ክሕጎሱ ድማ ሓድሽ መንጻሕ ዓራትካ ከም እተንጽፈሉን፡ሳሎንካ እውን ጽሩይ ልብሲ ከም እትገብረሉን ።ጽሩይ ክዳን ተኸዲንካ ከም እትጽበዮን።ዋእ እሞ ክወጽእ እንድየ፡ካልእ መዓልቲ ክቅበለካ ድማ ከም ዘይትብሎን።ፕሮግራምካ እኳ ደኣ ሰሪዝካ ንዕኡ ከም እትህቦ ርግጸኛ ኢየ። እሞኸ ደኣ ነቲ ናይ ጎይቶታት ጎይታ(1ይጢሞ፡6፡16) (ራእ19፡16)እቲ ገሊጽካ ዘይውዳእ ክብሪ ዘለዎ። ኣብ ገዛኻ ክድረር ክብለካ ከሎ ፡ልብኻ ብንስሓ ሓጺብካ፡ የእምሮኻ ብምልኡ ኣብ ቅድመኡ ብምንጻሕ፡ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ ኢልካ።ንውሽጥታትካ ንኹልንትናኻ ኣዳሊኻ ሓድሽ ሰብ ኮንካ፡እንተተጸበኻዮ ፡ንዓ ኣብ ልበይ እቶ ኢልካ ተፍቀድካሉን፡ን ጸዋዒቱ ሕራይ ተበልካን እንታይ ኣለዎ ሓወይ።ግርምቢጥ ኢዩ፡ንስኻ ትረብሓሉ ክንሱስ ብሰናይካ ባህ ስለ ዝብሎ ኩሉ ግዜ ኢዱ ዘርጊሑ ይ...